ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/29/ 2018 (ኢዜኣ) ነበር ዲፕሎማት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብሕክምና ደገፍ ክግበረለን ድሕሪ ምፅናሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።
ኣምባሳደር ቆንጂት ኣብ 1950ታት ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተፀንቢረን ካብ ዴስክ ኦፊሰርነት ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓነት ኣገልጊለን እየን።
ኣምባሳደር ቆንጂት ካብ ዮዲት እምሩ ብምቕፃል ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር እየን።
እተን ኣምባሳደር ኣብ ኦቶዋ፣ ካይሮ፣ ተል ኣቪቭን ቬየናን ኣብ ዝርከቡ ሚስዮናት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሙሉእ ስልጣን ብምዃን፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ቀዋሚ ወኪል ኮይነን ሰሪሐን እየን።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሞት ኣምባሳደር ቆንጂት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላፅ ንስድራን ፈተውቶምን ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
መርሃ ግብሪ ምፍናው ቀብሪ ኣብ ቐፃሊ ከም ዘፍልጥ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ ኣሎ።