ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ በዓል ፋሲካ እኹል ሃለቕቲ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርቡ ኣለዉ - ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ በዓል ፋሲካ እኹል ሃለቕቲ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርቡ ኣለዉ - ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ /መጋቢት /28/2018(ኢዜኣ)፡- ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ በዓል ፋሲካ እኹል ሃለቕቲ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርቡ ከም ዘለዉ ሓላፊት ንግዲ ቢሮ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሀቢባ ሲራጅ ገሊፀን።
እተን ቢሮ ሓለፍቲ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ምርግጋዕ ዕዳጋ ብዝምልከት መግለፂ ሂበን።
ብምኽንያት እቲ በዓል ግቡእ ዘይኮነ ናህሪ ዋጋ ፍርያታት ከይፍጠር ንምክለኻል እኹል ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፀን።
ምስ ዝተፈላለዩ ክልላት ብምትእሳሰር ሃለቕቲ ፍርያትን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ብፅሬትን ብስፍሓት ናብታ ከተማ ክኣትዉ እናተገበረ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ማእኸላት ዕዳጋ፤ 14 ዕዳጋታት ሰንበት፣ማሕበራት ሸማቶን ትካል ስራሕቲ ንግድን ንሕብረተሰብ ብዝተመጣጠነ ዋጋ እኹል ፍርያት እናቐረበ ከም ዝኾነ ሓቢረን።
ከምኡ እውን ኣብ ዓሰርተ ሓደኤን ክፍለ ከተማታት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ፍርያት ንዕደጋ ዝቐርበሉ ባዛር ከም ዝኽፈት ተዛሪበን።