መበል 16 ኣህጉራዊ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 16 ኣህጉራዊ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ / መጋቢት/ 28/2018 (ኢዜኣ) ፦ መበል 16 ኣህጉራዊ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ካብ መጋቢት 30 ክሳብ 1 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ገሊፆም።
እቶም ኮሚሽነር እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከም ዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ብቐንዱ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምክልኻልን ዓቕሚ ፋይናንስ ሓደጋ ስግኣት ምሕያልን ኣብ ዝኽኣለሉ መንገድታት ክመክር እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ሓምላዋይ ኣሰር፣ ሉኣላውነት መግቢ፣ ሓምላዋይ ኢኮኖሚን ከምኡ እውን ሰብሓዊ ሓገዝን ዘከናወነቶም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብመሪሕነት ክትርአ ብምግባሮም ነቲ ጉባኤ ከታደሉ ከም ዝተመረፀት ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ዝምልከቶም ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ሓዊሱ 300 ተሳተፍቲ ክርከቡ እዮም፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ሓደጋት እናወሰኩ ዋላ እንተኾኑ፤ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ሓገዝን እናቐነሰ ከም ዝመፀ ሓቢሮም፡፡
ኣፍሪካ ንናይ ባዕላ ፀገማት ባዕላዊ መፍትሒ ንምንዳይ ሓይሊ ሰብ፣ፍልጠትን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዝመርሕ ትካል ከም ዘድልያ ገሊፆም፡፡
ኣብ ፅላል ኣፍሪካ ሕብረት ዝርከብ ጉጅለ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝጥቀስ ትካል ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡