ፓርክ ስፖርት ኣዲስ ኣተሓሳስባን ተግባርን መደመር ዝተርኣየሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 26/2018 (ኢዜኣ) ፓርክ ስፖርት ኣዲስ ኣተሓሳስባን ተግባርን መደመር ዝተርኣየሉ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፓርክ ስፖርት ኣዲስ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም።



ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እቲ ፓርክ ኩለ መዳያዊ ልምዓት ኢትዮጵያ ብተግባር ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ልምዓት ኢኮኖሚ ብዘይ ሰብኣዊ ልምዓት ሙሉእ ክኸውን ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ድማ መርኣያ ተግባር ሰብ ተኮር ልምዓት እዩ ክብሉ ሓቢሮም። 



ቀንዲ ኣተሓሳስባ መንግሥቲ መደመር እውን ኩለ መዳያዊ ልምዓት ንዜጋታት ተበፃሒ ምግባር ከምዝኾነን እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ፓርክ እውን እዚ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝተራኸብሉ ዓብይ ማእኸል ስፖርት ከም ዝኾነን ኣረዲኦም።
እቲ ፓርክ ዓለም ለኸ ደረጅኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓት ኩሎም ስፖርትታትን ስፍራታት ሓምለዋይ መዘናግዕን ኣማሊኡ ዝሓዘ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ምምራቕ ፓርክ ስፖርት ኣዲስ መንግሥቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል እናኽበረን ሓላፍነቱ እናተዋፅአን ከምዝኾነ ዓብይ መርኣያ እዩ። 
ቃል ተግባር እናኾነ፣ ኣዲስ ኣበባ እውን እናተቐየረትን ኢትዮጵያ ናብ ልዑል ክብሪ እናገስገሰትን ከምዝኾነት እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም