ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት እናተሰርሐት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 26/2018 (ኢዜኣ) ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ንኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ስራሕ ምፅናዕን ምስራሕን እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፓርክ ስፖርት ኣዲስ ሎሚ መሪቖም ከፊቶም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ስራሕ ህንፀት ሃገር ክልተ መሰረታዊ ዓምድታት ክሕዝ ከም ዘለዎ ብምግላፅ ንትማሊ ብኣግባቡን ብትኽክልን ዘዘኻኽር ፅባሕ ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
መንግሥቲ ፅሬት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ 35 ሽሕ መዋእለ ህፃናት ሃኒፁ ንኣገልግሎት ከም ዘብቀዐ ብምግላፅ፤ ዕላምኡ ድማ ዝሓሸ ድሉውነት ዘለዎ ወለዶ ምፍጣር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሽቶ ኢንሼቲቭ ኮደርስ 5 ሚልዮን ኣብ ንፅባሕ ዝሰርሕ ወለዶ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ህንፀት ሃገርን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዝተኣሳሰር ብኣካዳሚክ ፍልጠት ብዝርከብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ መስተጋብር እውን እዩ ኢሎም።
ፓርክ ስፖርት ኣዲስ ከም ኣበበ ቢቂላ፣ ምሩጽ ይፍጠር፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ደራርቱ ቱሉን ጥሩነሽ ዲባባን ዘለውዎ ሓወልትታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ኣትሌታት ንወለዶ መርኣያ ዝኾኑን ንኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘፀውዑን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ነቶም ኣትሌታት ሓወልቲ ዝተሰርሐሎም ድማ ብሂወት እናሃለዉ ምኽባር ስለዝግባእ እዩ ኢሎም።
እቲ ፓርክ ብኩለ መዳያዊ ህፃናትን ሰገናትን ስልጠና ምሃብ ዘኽእሉ ስፍራታት ከምዝሓዘን እዚ ድማ እቲ ወለዶ ካብቶም ኣትሌታት ንክመሃር ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥርን ተዛሪቦም።
እቶም ህፃናት ኣትሌት ምዃን እናተመነዩ ተጊሆም እንተሰሪሖም ንኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘፀውዑ ኣትሌታት ምፍራይ ከም ዝከኣል እውን ገሊፆም።
እቲ ፓርክ ስፖርት ብዝተፈላለዩ ስፖርትታት ደረጅኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓት ከምዝሓዘ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ንሰገናት ዓብይ ዕድል ከም ዝኾነ ፀሪሖም።
ህፃናት ፓርክታት፣መሰረተ ልምዓታት ስፖርትን ንፁሃት ስፍራታትን እናረኣዩ እንተዓብዮም ናብ ካሊእ ሃገር ንምኻድ ምምናይ ገዲፎም ብሃገር ምኹራዕን ኣብ ሃገር ምስራሕን እናዓበየ ከምዝኸይድ ሓቢሮም።
በዚ ከይዲ እዚ ኢትዮጵያ ከምትህነፅ ብምግላፅ፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትማልን ፅባሕን ብምትእስሳር ሃገር ምህናፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ ህዝባ መንእሰይ ስለዝኾነ ጠንኪሩ ክሰርሕን ዓርሱ ብፍልጠት ክምዕብልን ምግባር እንተተኻኢሉ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ንኣፍሪካ ንምድጋፍ ዓብይ ዕድል ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ብክእለትን ብቕዓትን ሰባት ተሰሪሖም ዝዓብይሉ መሰረተ ልምዓት ከም ዘድሊ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝስርሑ ስራሕቲ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያን ወለዶን ኣብ ግምት ዘእተዉ ከምዝኾኑ እውን ኣብራህሪሆም። 
ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት እናተሰርሐት እያ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ስራሕ ምፅናዕን ምስራሕን ኢትዮጵያ ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
ኣብ ከይዲ ምስራሕ ኢትዮጵያ እውን ኩሉ ኣጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም