ንትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ሜካናይዜሽን ዝተውሃበ ትኹረት ንምርግጋፅ ሉኣላውነት ምግቢ መሰረት እናንበረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /26/2018(ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ንትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ሜካናይዜሽንን ዝሃበቶ ትኹረት ሉኣላውነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ መሰረት እናንበረ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
 "ብፍርያትን መፍረይነትን ምርግጋፅ ሉኣላውነት መግቢ" ብዝብል ቴማ ጎስጓስ ልምዓት ዝራእቲ 2018/19  ኣብ ኣዳማ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፣ ብመዳይ ምርግጋፅ ሉኣላውነት ምግቢ መፃኢ ግዜ  ኢትዮጵያ ብሩህ እዩ።
ብመንግስቲ መደመር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኣብ ቦታት ሕርሻ ሓረስታይ ጭቡጥ ለውጥታት ክርኣዩ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም።
ሕርሻ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ብምግባር ናብ ሜካናይዜሽን እናተሸጋገረ ከም ዝመፀ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተጀመረ ተግባር ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተርኣየ ተዛሪቦም። 
ልምዓት ዝራእቲ ክረምትን ቀውዕን 2018/19 ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ዝካየድ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኾይኑ ግና መዳበሪያ ኣቐዲምካ ብምእታው ነቲ ስግኣት ምሽጋር ከም ዝተኽኣለ ሓቢሮም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም