ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስነ ምህዳር ሳይንስ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘመናዊ ማእኸል ምርምር መሪቖም ከፊቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስነ ምህዳር ሳይንስ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘመናዊ ማእኸል ምርምር መሪቖም ከፊቶም
ኣዲስ አበባ/ መጋቢት /26/2018 (ኢዜአ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ምዓልቲ ኣብ ስነ ምህዳር ሳይንስ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘመናዊ ማእኸል ምርምር መሪቖም ከፊቶም።
እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ትካል ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ዝተሃነፀ እቲ ዘመናዊ ትካል ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብተወሳኺ ፤ዓርሳ ዝኽኣለትን ጥዕና ዝመልኣ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተህግህ ዝልዓለ ማእኸል ፍልጠት እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ማእኸል ምርምር 40 ላባራቶሪታት፣ ዝልዓለ ጂኖሚክስ (genomics)፣ ቦታታት ባዮኢንፎርማቲክስ (bioinformatics) ከምኡ እውን ፅርየትን ብቕዓትን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈርዩ መድሓኒታት ዘረጋግፅ ማእኸል ባዮኢኩዊቫለንስ (bioequivalence) ዘካተተ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡
ብተወሳኺ እቲ ትካል ንሃንደበታዊ ሓደገታት ድልውነትን መልስን ናይ ምሃብ ዓቕሚ በምህናፅ ከም ማእገር ኮይኑ እናገልገለ እዩ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምርምር ናብ ፖሊሲ፤ ምህዞ ናብ ተግባር፤ እቲ ማእኸል ብፍርያት መድሓኒት ባዕልና ንምእኻል ፣ ዘላቒ ደሕንነት ጥዕና ንምርግጋፅን ከብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ክሳብ ሐዚ ዘመዝገብናዮም ዓወታት ብዝበለጸ ንምዕባይ ዓብዪ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡