ኢትዮጵያ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲማ ዕድጊት መዳበርያ ከም ዝፈፀመት ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲማ ዕድጊት መዳበርያ ከም ዝፈፀመት ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /26/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ተለዋዋጥን ዘይተገማትን ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣቐዲማ ዕድጊት መዳበርያ ብምፍፃም ናብ ሃገር ከም ዘእተወት ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
ኹናት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዝውውር ዓለም ኣቀፍ ፍርያታት ፀገም ከም ዝፈጠረ ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ መዳበርያ ካብ ዝጓዓዓዘሎም መስመራት እቲ ሓደ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ኹናት ኣብ ምንቅስቓስ መራኽብ ስግኣት ከም ዘሕደረ ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ንፍርያት እዚ ዓመት ዝውዓል መዳበርያ ዕድጊት ብምፍፃምን ብምጉዕዓዝን ናብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ሓረስቶትን ተበፃሒ ከም ዝገበረ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓረስቶት ዝተኸፋፈለ መዳበርያ 16 ነጥቢ 9 ሚሊዮን ኩንታል ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ዓመት ጅቡቲ ዝበፅሐ ሓዊሱ 20 ሚሊዮን ኩንታል መዳበርያ ምእታው ከም ዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ንምርግጋፅን ኣጠቃቕማ እታዎት ንምምሕያሽ 30 ሚሊዮን ኩንታል መዳበርያ ንምግዛእ ትልሚ ከም ዝነበረ ብምግላፅ፤ እቲ ዝተረፈ ንምምላእ ምስ ፈተውቲ ሃገራት ጠንካራ ምትሕብባርን ስምምዕነትን እናተገበረ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ሕብረተሰብ ብተፈጥሮ ዝዳለዉ ፍርያት ኮምፖስት መዳበርያ ብስፍሓት ብምድላውን ምጥቃምን ዘሎ ፀቕጢ ኣብ ምቕናስ ኣጃሙ ክዋፃእ ከም ዝግባእ ገሊፆም።