በምኽንያት ውድዓዊ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኣብ ኣቕርቦት ነዳዲ ምትዕርራይ ዋጋ ተገይሩ- ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን - ኢዜአ ትግርኛ
በምኽንያት ውድዓዊ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኣብ ኣቕርቦት ነዳዲ ምትዕርራይ ዋጋ ተገይሩ- ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን
ኣዲስ ኣበባ፣መጋቢት 25/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝተፈጠረ ኲናት ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ብዝለዓለ ኲነታት ብምውሳኹ ምትዕርራይ ዋጋ ከም ዝገበረ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝተፈጠ ኲናት ስዒቡ ካብ ለካቲት 21/2018 ዓ.ም ዋጋ ነዳዲ ዓለም ብዝልዓለ መጠን ከም ዝወሰኸ ኣመላኺቱ።
እቲ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክመሓየሽ እዩ ዝብል ትፅቢት ዋላ እንተነበረ ኾይኑ ግና እቲ ወጥሪ እናሓየለ ብምኻዱ ኣብ ኣቕርቦት ነዳዲ ሕፅረት ነዳዲ ካብ ምፍጣሩ ንላዕሊ ዋጋ ሓደ ሓደ ፍርያት ነዳዲ ብዝልዓለ መጠን ክውስኽ ከም ዝኽኣለ ገሊፁ።
ሕምሺት(1/5) ዘይተፀረየ ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መስመር ሆርሙዝ ብምፃዉ ከም ሳዑዲ ዓረቢያ፣ ኩዌት፣ ሕቡራት መንግስታት ዓረብን ኢራቅን ዝመሳሰሉ ሃገራት ብመዓልቲ ዘቕርብዎ 140 ሚሊዮን በርሜል ነዳዲ ተቓሪፁ እዩ።
ብምኽንያት እዙይ ናብ ሃገርና ዝኣቱ ዝነበረ 120 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ፃዕዳ ናፍጣን 60 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ኣውሮፕላን ዝፀዓኑ ሰለስተ መርከባት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ደው ኢለን ይርከባ ኢሉ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ መግለፂኡ።
መንግስቲ ስሩዕ ኣቕርቦት ከይቋረፅ ካብ ተባራሪ ዕዳጋን ብዝልዓለ ዋጋ ብምዕዳግ ንምቕራብ ፃዕርታት እናገበረ ከም ዝርከብ ዝገልፅ እቲ ሚኒስቴር፤ ኾይኑ ግና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘሎ ፀቕጢ ደጎማ ልዕሊ 272 ቢሊዮን ብር ከም ዝበፅሐ ኣመላኺቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝወፀ መሸጢ ዋጋ ፃዕዳ ናፍጣ ብ139.84 ብር እንትሽየጥ መንግስቲ 95 ድጎማ ይግበር ዝነበረ ኾይኑ፤ ቤንዚን በ132.18 ብር እናተሸጠ ዝፀንሐ ኾይኑ 42 ብር ድጎማ ይገብረሉ ከም ዝፀንሐ ተገሊፁ። ኾይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት እቲ ድጎማ ንምቕፃል ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ሓዱሽ ምትዕርራይ ዋጋ ተገይሩ ከም ዝተገበረ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።
በዙይ መሰረት ሓዱሽ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ሓደ ሊትር ቤንዚን 142.21 ብር፣ ኬሮሲን 151.39 ብር፣ ፃዕዳ ናፍጣ 163.09 ብር፣ ቀላል ፃዕዳ ናፍጣ 163.98፣ ከቢድ ፀሊም ናፍጣ 160.68 ብር ከምኡ እውን ነዳዲ ኣውሮፕላን 150.48 ብር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ተጠቀምቲ መሸጢ ዋጋ ፃዕዳ ናፍጣ 210 ብር ኮይኑ ከም ዝተደንገገ ኣፍሊጡ፡፡
መንግስቲ ሐዚ እውን ንሓደ ሊትሮ ፃዕዳ ናፍጣ 71 ብር ከምኡ እውን ንቤንዚን 32 ብር ድጎማ እናገበረ እንትኸውን መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ሃገርና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እንነፃፀር ዝተሓተ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
ኣብ ሃገርና መሸጢ ዋጋ ሓደ ሊትር ፃዕዳ ናፍጣ 1.032 ዶላር እንትኸውን ኣብ ኬንያ 1.374፣ ኣብ ጅቡቲ 1.741፣ ኣብ ታንዛኒያ ድማ 1.09 ዶላር ከም ዝኾነ ብኣብነትት ጠቒሱ እዩ።
ኣብ ኣቕርቦት ቤንዚን ሕፅረት ከም ዘየለ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር ፃዕዳ ናፍጣ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ ዘሎ ሕፅረት ኣቕርቦትን ወሰኽ ዋጋን ክሳብ ዝስተኻኸል መንግስቲ ከይዲ ዕደላ ነዳዲ ዝከታተል ጉጅለ ከም ዝወደበ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ብዘዳልዎ ቀደም ሰዓብ ኣቕርብትን ዕደላን ዝቐርብ ነዳዲ ብቑጠባን ብዝተቐመጠ ስርዓት ዕደጊት ብቻ ክፍፀም ሓገዝን ርብርብን ክግበር ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ብመሰረት እቲ ቐደም ሰዓብ ነዳዲ ዘጓዓዕዙ ቦቲታት፣ ተሽከርከርቲ ፍርያት ኣታውን ሰደድን፣ ኢንዱስትሪታት ኣፍረይቲ መሰረታዊ ሃልክን ሰደድን፣ ወሰንቲ ፕሮጀክትታት ውልቀን መንግስትን፣ መከናይዝድ ሕርሻታት፣ ትካላት ፀጥታትን ደሕንነትን፣ ናይ ህዝቢ መመላስቲ ተሽከርካርቲ፣ ኣገልግሎት ጤና፣ ስራሕቲ ታወር ቴሌኮም፣ ስራሕቲ መረፃ፣ ኣገልግሎታት ሚዲያን ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ እውን ዝልዓለ ቁፅሪ ተምሃሮ ዘለዎሞ ዩኒቨርስቲታት ቀዳምነት ዝዋሃቦም እዮም።
ሕብረተሰብ ነዚ ኣፀጋሚ እዋን ንምስጋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግቡእ ድገፍን ምትሕብባርን ክገብር ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ፃውዒት ኣቕሪቡ።