ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ቀረብ እታዎት ሕክምና ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝጭበጡ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም-ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ቀረብ እታዎት ሕክምና ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝጭበጡ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ ገሊፀን።
መበል 2ይ ኤግዚቢሽን ፍርያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ከምኡ እውን መበል 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ ርእይን ጉባኤን ቴክኖሎጂ ሕክምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መንግሥቲ ቀረብ ናውቲ ሕክምና ንምጥንኻር ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር ብዝለዓለ ኩነታት ዓብዩ እዩ።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብዲጂታል ስርዓት ዝተደገፈ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዝበፅሕ ስርዓት ቁፅፅር ከም ዝተዘርገሐ እውን ሓቢረን።
እቲ ማሕበረሰብ መድሓኒታት ኣበይ ክረክብ ከምዝኽእል ዝሕብር፣ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ጥዕና ብቐሊሉ ዝረኽበሉ ብሄራዊ መተገበሪ ኣብ ስራሕ ከም ዝወዓለ ተዛሪበን።
ብተወሳኺ እውን ናይ ወፃኢ ፅግዕተኛነት ንምቕናስ ዓቕሚ ምፍራይ ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሕ ብምግላፅ፤ ትካላት ትምህርትን መሓዙት ልምዓትን እቶም ዝተተለሙ ሽቶታት ንምዕዋት ብምውዳድ ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም