እቲ ሃገራዊ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ኣንቢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሃገራዊ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ኣንቢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018 (ኢዜኣ) እቲ ሃገራዊ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ከም ዘንበረ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሃገራዊ ለውጢ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ሓባራዊ ዕቤት ብምስላጥ ስምብራት ተረኽ ኢትዮጵያ ዝፅግን መሰረት ኣንቢሩ እዩ።
ኣወንታዊ ተረኽ ዝተረጋግዐ ሃገረ መንግሥቲ ብምህናፅ ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ብኣንፃሩ ብኣሉታዊ መንገዲ ዝተሃነፀ ተረኽ ድማ ምትእስሳር ዜጋታት ብምልሕላሕ ንዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ፀገም ብምፍጣር ሃገር ክሳብ ምብታን ዘብፅሕ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ኣረዲኦም።
ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ቅድሚ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ነባራዊ ሓቅትታ ዜጋታት ብምኽሓድ ፍፁም ነፃፀልትን ጨፍለቕትን ተረኻት ክስበኹ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኢትዮጵያውያን ብደምን ኣዕፅምቶምን ንኩሎም ጭቁናት ህዝብታት ትእምርት ዝኸውን ዓወት ዓድዋ ምሕፋስ ዝኸኣሉ ስልጡናት ህዝብታት ኮይኖም እናሃለዉ ብምኽንያት ስሑት ተረኽ ክባር ዋጋ እናኸፈሉ ከም ዝፀንሑ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ቃል ካብ ዝኣተውዎም ዋና ዋና ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ እቲ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዘተኣኻኽብን ሓባራውን ሓቂ ብምህናፅ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ብዝሰልጠነ ዘተን ዕርቅን ምፍታሕ ዘኽእል ወሳኒ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያውያን ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝደመቐን ዘበናት ዝተሳገረን ሓባራዊ ታሪኽን ከም ዓድዋ ዝበሉ ዓለም ለኸ ሓባራዊ ፀጋታትን ዘለዎም ህዝብታት ከም ዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ካብ ባርነት ነፃ ዝወፅሉ ዝዝክርሉ ሓወልቲ ከም ዘለዎም ብምግላፅ፤ ምልክት ነፃነት ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነት ኢትዮጵያ ግና ዓወት ዓድዋ ዝዝክር ሓወልቲ ከም ዘይነበራ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ፍፃመ ሓባራዊ ገድልን ታሪኽን ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ዝዝክርን ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ መሳርሒ ዝኾነን መዘከርታ ሓወልቲ ከም ዝሰርሐ ፀሪሖም።
ዳግማዊ ዓድዋ 21 ክፍለ ዘበን ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እውን ትርታ ልቢ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘለዎ ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ወሳኒ መሳርሒ ኮይኑ ከም ዘገልግል ኣረዲኦም።
ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ፍልፍል ኩርዓት ዜጋታታ ከም ትኸውን ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ህንፀት ኣወንታዊ ተረኽ ብምጥንኻር ንዕቤት ሃገር ክተሓባበሩ ኣለዎም ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ እውን ሙሁራንን መራሕትን ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገርን ሓድነት ዜጋታትን ዘረጋግፁ ብሄራዊ ኣተሓሳስባታት ብምስባኽ ንህንፀት ዘተኣኻኽብ ተረኽ ሃናፂ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።