ኣብቲ ዓመታት ለውጢ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ንምትብባዕ ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ተለውጥታት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብቲ ለውጢ ዓመታት ኣዋጅ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ብምምሕያሽ ሕጋዊ ኣሰራርሓ  ንምጥንኻር ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ለውጥታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ  ጉዳይን ገሊፁ።  
 ሚኒስቴር ስሕራን ክእለትን ብወገኑ ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ንወፃኢ ሃገራት ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት እናዓበየ ከም ዝመፀ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ መጋቢት 24/ 2010 ዓም ሀገራዊ ለውጢ መንግስቲ ምኽባር  ድሕንነትን መሰል ዜጋታት ቀዳሚ ኣጀንዳ ዲፕሎማሲ ገይሩ እዩ።
ነዙይ ስዒቡ ብዝተሳለጡ ተግባራትን  ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት መሰሎም ክኽበር ምስተን ሃገራት ሰምምዕነት ብምግባር ዜጋታት ብሕጊ ዝተሐለወ ክብሪ ክህልዎም ገይሩ እዩ።
ኣዋጅ ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ብምምሕያሽ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ፅሕፈት ቤት ቆንስላታትን ንሓለዋ ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ከም ዝተገበረ ብኣብነት ዝልዓል እዩ፡። 
ዜጋታት ካብ ሃገር ቅድሚ ምውፃኦም ኣድላዪ ስልጠና ክእለትን ድልዉነትን ክወስዱ ምግባሩ እውን ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎ ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ንኢዜኣ ከም ዝገለፀኦ፤ ዘይ ሕጋዊ ስደት ንምንካይ ብዙሓት ተግባራት እናተሳለጡ እዮም ኢለን፡፡  
ብፍላይ ብበዝሒ ዘይስሩዕ ፍልሰት ዝርኣየሎም ከባቢታት በምፍላይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ወፀዮም ጸገማት ዘጋጠሞም ተመለስቲ ፍልሰትን ማሕበረሰብን ዘሳተፈ መድረኻት መፍጠሪ ንቕሓት ከም ዝተሳለጡ እውን ተዛሪበን፡። 
ዕድላት ሕጋዊ ወፍሪ ስራሕ ምስፍፋሕ፣ ካብ ስደት ዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዕድል ስራሕ ክዋፈሩ ዝተገበሩ ሓገዛት ኣብ ሃገር ውሽጢ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ከም ዝካኣል መርኣያ ከም ዝኾኑ ገሊፀን፡፡ 
ስለዝኾነ  ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምቕናስ ለውጥታት ከም ዝተረኸቡ ገሊፀን፡፡
ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንስራሕ ዝዋፈሩ ዜጋታት ከም ዝወሰኸ ገሊፆም፡፡ 



 ንኣብነት ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ቁፅሪ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት 300 ሽሕ ከም ዝነበረ ኣረዲኦም፡፡ 
ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ኣብ 7 ወርሒ ብቻ  450 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ድሕንቶምን መሰሎምን ትሓልየ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ተዛሪቦም፡፡  
 እዙይ ድማ ክብርን ድሕንነትን ዜጋታት ምስ ምሕላው ተተሓሒዙ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም