ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ዋልታ ሰላም፣ ዘብዒ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን እዮም - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ዋልታ ሰላም፣ ዘብዒ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን እዮም - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 24/2018(ኢዜኣ) ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ዋልታ ሰላም፣ ዘብዒ ብሄራዊ ረብሓን ክብርን እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ምዓልቲ "ምውዳድ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ንሃገራዊ ሰላምን ደሕንነትን" ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተኻደ ኮንፈረንስ ብሄራዊ ደሕንነት ተሳቲፍና ኢሎም።
ዋላ ኳ ኣብ ዞባና ዝስተውዓሉ ኩናት ሕድሕድ፣ሽርሒ ግብረ ራዕዲ፣ኩናት ማእኸላይ ምብራቕን ጂኦ-ፖለቲካዊ ውጥጣት ንሃገርና እንተፈተኑዋ፤ ብጥንካረ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን መስዋእቲ ደቃን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኾነ ተግባር ብምፍጻም ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ፀኒዓ ደው ኢላ ኣላ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርምታት ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ፀገማት ናብ ዕድል ክቕየሩ ዘኽኣሉ ከም ዝኾኑ ፀሪሖም።
ብሓይሊ ሰብን፣ ቴክኖሎጂን ኣወዳድባን ዝማዕበሉ ብፃዕሪ ለይትን ቀትርን ሓይልታት ፀጥታናን ብምትሕብባር ህዝብናን ኩለመደያዊ ሃገራዊ ውፅኢት ከነመዝግብ ዘኽኣለና እዩ ኢሎም።
ብሄራዊ ረብሓን ንምርግጋፅ ንገብሮም ዲፕሎማሲያውን ስትራቴጂካውን ንጥፈታት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተሻጊሮም እዮም ክብሉ ኣረዲኦም።
እዚ ዓወት ክምዝገብ በቢብርኩ ዝርከቡ ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ፌዴራል ከምኡ እውን ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ክልላት ዝተዋደደ ሓበራዊ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ብፅሒት ከም ዝወስዱ ኣብሪሆም።
ብኻልእ ወገን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ሰላም ንምስፋን ዝተኸየደ ርሕቐትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ መላእ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ክሳብ ዝፍጠር ትካላት ፀጥታን ደሕንነትን ምስ ህዝቢ ብምዃን ዝገብርዎ ዝተዋደደ ርብርብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ኣብ ወርሒ ጉንበት መወዳእታ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን ዲሞክራሲ ዝጠናኸረሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ ክኸውን ትካላት ፀጥታን ደሕንነት ሓላፍነቶም ብቖራፅነት ከም ዝዋፅኡ እምነተይ ፅኑዕ እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።