ቻይና ንፕሮጀክትታት ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ቻይና ንፕሮጀክትታት ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅል ኣፍሊጣ፡፡
ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ቻይና (CIDCA) ሊዩ ጁንፌንግ ኣብ ቤጂንግ ዝለዓለ ብርኪ ዘተ ገይሮም፡፡ 
ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝፀንሐ ድልዱል ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምዕባይ እዩ፡፡ 
እቲ ዘተ፤ ብመሰረት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ትህቦም ዛዕባታት ልምዓት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ዘተኮረ እዩ ነይሩ፡፡ 



እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ሪፎርም ኢኮኖምን ኣጀንዳታት ልምዓትን ብዝምልከት መብራህረሂ ዝሃበ እንትኸውን፤ ዘላቒ ዕብየትን መዋቕራዊ ሽግግር ንምምጻእ ኣድላይነት ቀፃልነት ዘለዎ ምትሕብባር እውን ኣብሪሁ እዩ። 
ምክትል ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ቻይና (CIDCA) ሊዩ ጁንፌንግ ብወገኖም፤ ቻይና ብዝተሓተ ወለድ ዝውሃቡ ልቓሓት፣ ሓገዝ ቴክኒክን ስራሕቲ ዓቕሚ ህንፀትን ብምጥንኻር ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቕጽል ደጊሞም ኣረጋጊፆም፡፡ 
ብተወሳኺ እውን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከይዲ ህንጸት ዘለዉ ፕሮጀክትታት ዝገምገሙ እንትኸውን፤ ብፍላይ ኣብ ዘፈራት መሰረተ ልምዓት ባቡር፣ ሕርሻ፣ ልምዓት ዲጂታል፣ ኢንዱስትሪን ጥዕናን ዘለዉ ምትሕብባራት ንምስፋሕ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ተዛትዮም እዮም፡። 
ክልቲኦም ወገናት ትኹረት ዝሃብዎም ዛዕባታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንክቕየሩ ትካላዊ ርክባት ብዝበለጸ ምዕባይን ተቐራሪብካ ምስራሕን ከም ዘድሊ ተስማዕሚዖም፡፡ 
እዙይ እውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ኩለመደያዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዘሰጋግሮ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም