ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውፅኢታት 24 መጋቢት እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውፅኢታት 24 መጋቢት እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 23/2018 (ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐቶ ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን ብቆራፅነት እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዝተመገቡ ውፅኢታት 24 መጋቢት ከም ዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ድሮ 8ይ ዓመት እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብታ ከተማ መበል 5ይ ዝኾነ ማእኸል ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ‘ኣዲስ መሶብ’ ሎሚ ብዕሊ ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣዲስ ኣበባ ሕዚ ዝበፅሐትሉ ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን ብቆራፅነት እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት 24 መጋቢት እዮም ኢለን።
እታ ከተማ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ኩርዓት ኣፍሪካን ብተግባር እውን ከም ሽማ ፅብቕትን ንምግባር እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዘሳለጦም ስራሕቲ ልምዓት ታሪኻውን ዘበን ተሳጋርን ዓወት ከም ዘመዝገቡ ተዛሪበን።
ካብዞም ዓወታት እቲ ሓደ ዝኾነ ዲጂታል ኣገልግሎት ኣዲስ መሶብ፤ ስርዓታት መንግሥቲ ብዝተለዋወጡ ቁፅሪ ቃል እናተኣተወሉ ከይተለወጠ ዝፀንሐን እቲ ተገልጋሊ እውን ከማርር ዝፀንሐን ስሉጥ ዘይኮነ ቢሮክራሲ ካብ መሰረቱ ዝቕይር እዩ ኢለን።
እዚ ሓዱሽ ስርዓት ኣገልግሎት ግዜ፣ ወፃእን ጉልበትን ዝባኽነሉ ከምኡ እውን ፅሬትን ቅልጣፈን ዝረሓቖ ኣሰራርሓ ብተግባር ብምልዋጥ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ከም ዝኾነ ኣረዲአን።
እተን ከንቲባ፤ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ መስኮት ኣብ ዝተሓሰበኩ እዋን ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ንክበቅዕ ደገፍ ንዝገበሩ ኣካላት ብሽመንን ብሽም እቲ ተገልጋልን ምስጋና ኣቕሪበን።