ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብልሹው ኣሰራርሓታት ብምእላይ ዘበናዊ ኣገልግሎት ምሃብ የኽእል ኣሎ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብልሹው ኣሰራርሓታት ብምእላይ ዘበናዊ ኣገልግሎት ምሃብ የኽእል ኣሎ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 23/2018 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብልሹው ኣሰራርሓታት ብምእላይ ዘበናዊ፣ፍትሓውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ እናኽኣለ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምጅማር መበል 5ይ ዲጂታል ኣገልግሎት መንግሥቲ ሓደ ማእኸል ጨንፈር ክፍለ ከተማ ኣዲስ ተኻይዱ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ መንግሥቲ ኣብታ ከተማ ዘሳልጦም ዘሎ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብቕልጡፍ ብምዝዛም ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ።
ኣካል እዚ ዝኾነን ድኻም እቲ ተገልጋሊ ብምቕናስ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣገልግሎት ዝህብን ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ጨንፈር ክፍለ ከተማ ኣዲስ ናብ ስራሕ ምእታዉ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢለን።
እቲ ማእኸል ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ኣብ ሓደ ስፍራ ኣዋዲዱ ግዜ፣ወፃእን ጉልበትን ብምቑጣብ ቅልጡፍን ፅሬት ዘለዎን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ናብ ስራሕ ምእታዉ ብልሹው ኣሰራርሓታት ብምእላይ ዘበናዊ፣ፍትሓውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ እናኽኣለ ከም ዝኾነ ኣረዲአን።
ብፍላይ ድማ እቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ብዝሕ ዝበለ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝበዝሐሉ ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዘጋጥሞም ምንግልታዕ ብምትራፍ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምርካብ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ዘኽእል እዩ ኢለን።