እቲ ኮሚሽን ዘዳለዎ መድረኽ ኣጀንዳታትና ብምቕራብ ፀገማትና ብምኽክር ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እዩ - መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኮሚሽን ዘዳለዎ መድረኽ ኣጀንዳታትና ብምቕራብ ፀገማትና ብምኽክር ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ እዩ - መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ)፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ኣጀንዳ ንምትእኽኻብ ዘዳለዎ ፈላማይ መድረኽ፤ ኣጀንዳታት ብምቕራብ ፀገማትና ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ከም ዝኾነ ተሳተፍቲ ገሊፆም፡፡
ካብ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ፈላማይ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እዩ፡።
ኣብቲ መድረኽ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ፣ ኣባላት ኮሚሽን፣ ኣብ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም፡፡
ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሓደ ዝኾነ ኢንጅነር ታፈረ ሕሉፍ፣ እቲ ኮሚሽን ዝጀመሮ ከይዲ ምኽኽር ዝንኣድ ምኻኑ በምግላፅ፤ እቲ ሎሚ ምዓልቲ ዝተጀመረ መድረኽ እውን ኣሳታፍን ዘሐጉስን ከም ዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምቕራብ ፀገማት ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከም ዝኾነ ገሊፁ፡፡
ካልእ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ኣንተነህ ምትኩ ብወገኑ፣ እቲ መድረኽ ብዙሓት ክፅበይዎ ከም ዝፀንሑ በምግላፅ ሎሚ ምዓልቲ ምጅማሩ ኣድኒቑ፡፡
ዘይምርድዳእ ብምኽክር ካብ ምፍታሕ ወፃኢ ዝሐሸ ነገር ከም ዘየለ ብምግላፅ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዘከናውኖም ዘለዉ ተግባራት ዝብረታተዑ እዮም ኢሉ፡፡
ሎሚ ምዓልቲ ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ረብሓኡ ዝልዓለ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣንተነህ፤ ባህሊ ምኽኽርን ዘተን ከም ዘጎልብት ሓቢሮም፡።
እቲ መድረኽ ክንጽበዮ ዝፀናሕና እዩ ዝበሉ ድማ ኣቶ ኣብዱ ኣብዱልቃድርን ሰርካለም ወርቅነህ (ዶ/ር)፥ ኣጀንዳታትና ብምቕራብ ፀገማትና ብምኽኽር ንምፍታሕ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምኻኑ ገሊጾም፡፡
ወደ ፊት የተሻለ ትውልድ ለመፍጠርና ኢትዮጵያን ከፍ ለማድረግ ምክክር ወሳኝ በመሆኑ ለስኬታማነቱ የበኩላቸውን እንደሚወጡ ጠቁመዋል።
ንቐፃሊ ዝሐሸ ወለዶ ንምፍጣርን ኢትዮጵያ ንምዕባይ ምኽክር ወሳኒ ከም ዝኾነ በምግላፅ፣ ንውፅኢታውነቱ እጃሞም ከም ዝዋፅኡ ተዛሪቦም፡፡