ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኢድን ጓንትን ኮይንካ ምስራሕ ይግባእ-ኬርያ ኢብራሂም - ኢዜአ ትግርኛ
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኢድን ጓንትን ኮይንካ ምስራሕ ይግባእ-ኬርያ ኢብራሂም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ) ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ኢድን ጓንትን ኮይንና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ኬርያ ኢብራሂም ተዛሪበን።
ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌድሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ምስ ኢዜኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ለውጢ መንግስትን ነበር መራሕቲ ህወሓትን ዝነበረ ቀንዲ ኣፈላላይ መበገሲኡ ኣነ ዘይቆፃፀሮ ወይ ድማ ንዓይ ዘይልኣኽ ኣመራርሓ ክህሉ የብሉን ዝብል ዘይተገደበ ፃምእ ስልጣን ነበር ህወሓት እዩ።
ኣብቲ እዋን ዝተለወጠ ስርዓት ኣብ ዘይነበረሉ ኣሃዳዊ ስርዓት መፂኡ፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣፍሪሱ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል እዩ መፂኡ፣ፌዴራላዊ ስርዓት ከፍርስ እዩ እናበልና ህዝብና ኣለዓዒልና ናብ ዘይተደለየ ጎንፂ ኣቲና ኢና ኢለን።
ሕዚ እውን እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ሪፎርም እምበር ዝቐየሮ ፌዴራላዊ ስርዓትን ሕገ መንግሥትን ኣብ ዘይብሉ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ንምትላል ተመሳሳሊ ፕሮፖጋንዳ ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ክግንዘብ ይግባእ ኢለን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው እቲ ጉጅለ ምስ ሻዕብያ ፀሚዱ ኣንፃር ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምንቅስቓሱ ዝተፈጠረ እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን።
ቅድሚ ሕዚ ብዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣንፃር እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ህዝቢ ኣለዓዒልና ከቢድ ዋጋ ንክኸፍልና ገይርናዮ ኢና ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤
ሕዚ እውን ካብ ሕሉፍ ዘይተምሃረ ዘይሕጋዊጉጅለ ህወሓት ናብ ካሊእ ኲናት ንምእታው ምስ ታሪኻዊ ፀላኢ ሻዕብያ ኮይኑ ምድላው እናገበረ ከም ዝርከብ ተዛሪበን።
ሻዕብያን ነበር ህወሓትን ኣይዕወቱን እምበር እንተዝዕወቱ እውን ቀዲሞም ዝጣፍኡ ሓይልታት እዮም ክብላ እውን ገሊፀን።
ድሌት ስርዓት ሻዕብያ ዝተዳኸመትን ዝተበታተነትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስዚ መረፃን ሕገ መንግሥትን ዘይፈልጥ ሓይሊ ተሰሊፍካ ዝፍታሕ ፀገም ከም ዘየለ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ ድማ መንእሰይና ካብዚ ሕሳርን ከንቱን ዝኾነ ኲናት ንምድሓን ምስ ፌዴራል መንግሥቲ ኢድን ጓንትን ኮይንና ክንሰርሕ ኣለና ኢለን።