ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ-ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2018(ኢዜኣ) ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ ክብላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ እዩ ዝርከብ።
ኬርያ ኢብራሂም ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ቀንዲ ዕላማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ መላእ ሃገር ዘለዉ ኩሎም ዓይነታት ሕቶታትን ፀገማትን ካብ ብኲናትን ብሓይልን ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ንመልሶ ዝብል እዩ።

እቲ ኮሚሽን ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንምክያድ ዋላ ኳ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እንተተገበረ፤ ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ብሓይሊ ጥራሕ ዝኣምን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ምክያድ ኣይተኽኣለን ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ኮሚሽን ከይዲ ምኽክር እቲ ክልል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምግባሩ ትኽክለኛ ውሳነ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።

ትግራይ እውን ኢትዮጵያ እዩ፣ ኣዲስ ኣበባ እውን ኢትዮጵያ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፤ ኣብ ትግራይ ምችው ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ዝተገበረ ውሳነ ግቡእ ከም ዝኾነ ኣረዲአን።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ኮሚሽን ናብ ዘተ ንምፃእን ፀገማትና ብዘተን ምኽክርን ንፍታሕን ዝብል እዩ ዝበላ ኬርያ፤ እቲ ብሰላምን ዘተን ዝኣምን ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ክልል እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ ኢለን።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሕቶትታ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፤ ኩሎም ፀገማት ትግራይ እውን ብምኽክር ዝፍትሑ እዮም ክብላ ሓቢረን።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ፣ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራ መንግሥትን ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።
 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም