እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሕርሻ ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት ክተመዝግብ ገይሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሕርሻ ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት ክተመዝግብ ገይሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት /23/2018 (ኢዜኣ)፦ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሕርሻ ዓቕሚ ኣፍራይነታ ብምጉልባት ሉኣላውነት መግቢ ክተረጋግፅ ዘኽእሉን ታሪኽ ዝቕይሩ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ምስ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር "ኣፍራያይነት ሕርሻ ንሉኣላውነት መግብን ሃገራዊ ክብርን" ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ ኣብ ዓመታት ለውጢ ብዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘተኮረ መድረኽ ዘተ እናተኻየደ እዩ።
ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ጋህዲ ካብ ዝኾነሉ መጋቢት 24 ቀን 2010 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ሕርሻ ካብቶም ቁጠባዊ ሃፍቲ ሃገር ዝድግፉ ሓሙሽተ ዓምድታት ማእኸል እቲ ሓደ ክኸውን ብምግባር ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ይርከብ።
ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ እቲ ዓውዲ ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ንምስግጋር ብዝተሳለጡ ተግባራት፣ ብፍርያት ባዕልኻ ካብ ምእኻል ብዝሓለፈ ንናይ ደገ ዕዳጋ ዝኸውን ፍርያት ምፍራይ ተኻኢሉ እዩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፣ ዓውዲ ሕርሻ አብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ፣ ዕድል ስራሕ ፈጠራ፣ ንግዲ ወፃእን ኩነታት ኣየርን ግንባር ቀደም ብፅሒት ኢኮኖሚ ኣለዎ ኢሎም።
ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ስርዓት ሕርሻ ኢትዮጵያ ብድሑር ኣሰራርሓን ኩነታት ኣየርን ይፍተን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፣ ናይቲ ዓውዲ መፍረይነት ዘሽቆልቁል ሜላ ኣተሓራርሳን ታሪኽ ዓውዲ ሕርሻ ዘበላሹ ከይድታት ከም ዝሓለፈ ገሊፆም።
ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ መንግስቲ ዘፈር ኣፍራያይነት ሕርሻ ዘመሓይሹ ፖሊሲታትን ስትራቴጂን ተግባራዊ ከም ዝኾኑ ኣልዒሎም።
በዚ እውን እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዘፈር ሕርሻ ሉኣላውነት ምግቢ ኢትዮጵያውያን ምርግጋፅ ዘኽእል ታሪኽ ቀያሪ ምዕራፍ ኣፍራያይነት ኣትዩ ኢሎም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበረ ኣፍራያይነት ሕርሻ ብስርናይ ሓጋይን መስኖን ውፅኢታዊ ዓወታት ከም ዝተመዝገበ ኣፍሊጦም።
ኣንፈት ፖሊሲ ሃገር ብቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ንዘመናት ስርናይ ዝሰፈረላ ዝነበረት ሃገርን ህዝብን ሉኣላውነት መግቢ ብምርግጋፅ ባዕልኻ ናብ ምኽኣል ዘኽእል እመርታዊ ስግግር እናገበረት ከም ዝኾነት ገሊፆም።
ብልምዓት ትሩፋት ሌማትን ሓምለዋይ ኣሰርን እውን ስነ ስርዓት ምግቢ ዘመሓይሹ ወፅኢታዊ ዓቕሚ ኣፍራያይነት ከም ዝተፈጠረ ብምጥቃስ፣ ኣብ ቀፃሊ ንዝተማልአ ሉኣላውነት ሕርሻ ኢትዮጵያዊ ንምርግጋፅ ዝተመዝገቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ተዛሪቦም።
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፣ እቲ ዘተ ፓናል 8ይ ዓመት ሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ከይዲን ዓወታትን ዘፈር ሕርሻ ንምድህሳስ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፣ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ክብርን ሉኣላውነትን ከምኡ እውን ህንፀት ገፅታ ቀንዲ ተልዕኾታት ኢዜኣ ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብ ፅባሕ ሃገራዊ ለውጢ መጋቢት 24 ዝካየድ ዘሎ ኣፍራያይነት ሕርሻ ንሉኣላውነት መግብን ሃገራዊ ክብርን ወሳኒ ብምኻኑ፣ እቲ ፓናል ከም ዝተዳለወን ቀፃልነት ከም ዝህልዎን ተዛሪቦም።
ኣፍራያይነት ሕርሻ ብምጉንፃፍ ሉኣላውነት መግቢ ብምርግጋፅ፣ ተረኽ ብምቕያርን ኣተሓሳስባ ልመና ብምስባር ን ወሳኒ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ነዚ እውን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ምስ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ነቲ መድረኽ ከም ዝተዳለወ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ፣ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር)፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።