በቲ ሃገራዊ ለውጢ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሰላም እቲ ዞባን ዝሕልው ዘተኣማምን ሰራዊት ተሃኒፁ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 23/2018(ኢዜኣ) በቲ ሃገራዊ ለውጢ ክብርን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ሰላም እቲ ዞባ ዝሕልው ዘተኣማምን ሰራዊት ከም ዝተሃነፀ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ ገሊፀን።

ሃገራዊ ለውጢ 24 መጋቢት 2010 ዓ/ም ስዒቡ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ትካላዊ ህንፀት ዋና ዓምዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ገይሩ እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ጠንካራን ዘተኣማምንን ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ምህናፅ ካብቶም ሃገራዊ ዓምድታት ሪፎርም እቲ ሓደ ብምግባር ዕዉታት ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ትካላዊ ዓምድታት ሪፎርም ገይሩ እዩ።

ካብ ዝኾነ ኣንፈት ንዝመፅእ ጥቕዓት ዝምክት ብቑዕ ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ሜካናይዝድ፣ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ፍሉይ ወፍርን ሳይበርን ከም ዝተሃነፀ ኣብሪሀን።

ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምህናፅ ብሓይሊ ሰብ፣ ብኣወዳድባን ቴክኖሎጂ ውግእን ዝለዓለ ስራሕ ለውጢ ብምስላጥ ጠንካራ ትካላዊ ቁመና ከም ዝተፈጠረ እውን ኣረዲአን።

ብወታደራዊ መሳርሕታት ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተትሓዘ ሃገራዊ ሽቶ ንምዕዋት እውን ኣብ ትካላት ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዕዉት ሪፎርም ብምግባር ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንክመፁ ተገይሩ እዩ ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈረሉ ቦታ ኩሉ ግቡኣት ምኽባር ሰላም ብብቕዓት ብምፍፃም ኣብቲ ዞባ ተደላዪ ሰራዊት ምዃኑ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ ክብላ ተዛሪበን።

ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞብ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ወሳኒ ከም ዝኾነ ዘረጋገፀ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ፀገማት ድሕንነትን ሰላምን ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ከም ዝፍትሑ ፅኑዕ እምነት ኣለዋ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ ኣፍሪካውያን ኣብ ሰላምን ድሕንነትም ዘለዎም ምትሕብባር ንከጠናኽሩ እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣረዲአን።

ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዓቕሚ፣ብዲሲፕሊን፣ ብስነ ልቦናን ኣተሓሳስባን ካብ ዝኾነ ወገንተኝነት ዝፀረየ ኢትዮጵያዊ ሰራዊት ከም ዝተሃነፀ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሰራዊት ካብ ዝኾነ ፅልዋ ፖለቲካ ነፃ ኮይኑ ነቲ ሕገ መንግሥትን ልኣላዊነት ሃገርን ጥራሕ ጠጠው ዝብለሉ መሰረት ተነቢሩ እዩ ክብላ ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም