መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 23/2018(ኢዜኣ) መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ከሳልጥ ከምዘይከኣልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ከምዝተወሰነን ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሎሚ ኣብ ስስካይላይት ሆቴል ምክያድ ጀሚሩ።



ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ፣ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራ መንግሥትን ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።



ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ከምዝተወሰነን ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም