ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ጭቡጥ ለውጢ ክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ጭቡጥ ለውጢ ክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ጭቡጥ ለውጢ ክምዝገብ ከም ዘኽኣለ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ማእኸል ዕዳጋ እንስሳት ሰመራ ሎሚ መዓልቲ ብሚኒስትር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)ን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ኣርባን ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ መንግስቲ ዝቐረፆ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ጭቡጥ ለውጢ እናምጽአ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ብመሰረት እቲ ዝተሓንፀፀ ሪፎርም ንግዲ ብዙሓት መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ እናተሃነጹ እዮም ኢሎም።
ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን ልዕሊ 1 ሽሕን 950 ከም ዝበጽሑ ብምዝራብ፤ እዞም ዕዳጋታት ደረጅኦም ዝሓለዉ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐሉ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
በዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብልዕሊ ሓደ ቢልዮን ወጻኢ ማእኸላት ካልኣይ ብርኪ ዕዳጋ እንስሳት እናተሃነጹ ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
ሎምዓልቲ ዝተመረቐ ማእኸል ካልኣይ ብርኪ ማእኸል ዕዳጋ እንስሳት ሰመራ እውን ልዕሊ 70 ሚሊዮን ወጻኢ ከም ዝተገበረሉ ብምግላጽ፤ ኢትዮጵያ ካብ ዓውዲ እንስሳት ትረኽቦ ኣታዊ እናዓበየ ከም ዝመፀ ገሊፆም።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ካብቲ ዓውዲ 60 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ በጀት ዓመት ድማ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ጥራሕ 39 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኽበ ኣፍሊጦም።