ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ተመዝጊቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ተመዝጊቡ
ኣርባምንጭ/መጋቢት 22/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብታ ሃገር ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ክልልን ንዝወዳደሩ ሕፁያት ፓርቲ ብልፅግና መርሃ ግብሪ ምልላይ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ተሳሊጡ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሓድነትን ሕውነትን እቲ ህዝቢ ብምጥንኻር ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓውድታት ዝጭበጡ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም።
ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ከም ሃገር ዝተተለሙ ትልምታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ መርኣያ ሃገር ንምግባር ከም ዝስራሕ እውን ሓቢሮም።