ኢትዮጵያን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ኤስያን ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ምትሕብባር ከም ዘጠናኽሩ ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ኤስያን ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ምትሕብባር ከም ዘጠናኽሩ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 22/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ኤስያን ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ምትሕብባር ንምዕባይ ቆራፃት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ፕሬዝዳንትን ፀሓፊ ኮርፖሬትን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ኤስያ ሰር ሼራርድ ካውፐር-ኮልስ ኣብ ቤጂንግ ዘትዮም።
እቲ ዘተ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ባንክን ዘሎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት ኤስያ ንህንፀት ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ክገብሮ ኣብ ዝኽእል ፋይናንሳዊ ደገፍ እውን ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፤ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ማእኸልነት ኣቪዬሽን ንምጥንኻርን ንናይ ነዊሕ እዋን ዕቤት ኢኮኖሚ እታ ሃገርን ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣረዲኦም።
ክልቲኦም ወገናት ፋይናንስ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ምንቅስቓስ ዘሎ ምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት እውን ዘትዮም።
እቶም ሚኒስር፤ እቲ ባንኪ ኢንቨስትመንት ውልቀ ኣብ ምትብባዕን ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኣብ ዓውድታት መሰረተ ልምዓት ልዑል ተሳትፎ ንክህልዎም ኣብ ምግባርን ዘለዎ እጃም ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ መሰረተ ልምዓት ንምስፋሕን ብዓውዲ ውልቀ ዝምራሕ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ብቆራፅነት ከም ዝሰርሑ ምግላፆም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።