ስልጠና ኮደርስ ቴክኖሎጂ፣ ፍልጠትን ክእለትን ዝተዓጠቐ ተወዳዳርን ውፅኢታውን ወለዶ እናፈጠረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስልጠና ኮደርስ ቴክኖሎጂ፣ ፍልጠትን ክእለትን ዝተዓጠቐ ተወዳዳርን ውፅኢታውን ወለዶ እናፈጠረ እዩ
ድሬዳዋ፤ መጋቢት 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ቴክኖሎጂ፣ ፍልጠትን ክእለትን ዝተዓጠቐ ተወዳዳርን ውፅኢታውን ወለዶ እናፈጠረ ከም ዝኾነ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ሀርቢ ቡህ ገሊፆም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ መናእሰይ ብዝተፈለዩ ዓውድታት ቴክኖሎጂ ፍልጠትን ክእለትን ጨቢጦም ብቑዓትን ተወዳደርትን ክኾኑ እናገበረ ይርከብ።
ምምሕዳር ድሬዳዋ እውን ኣብዚ ዓመት 36 ሽሕ መናእሰይ ናይቲ ስልጠና ተጠቀምቲ ክኾኑ ብዘሳለጦም ተግባራት ዘበረታትዕ ውፅኢት እናረኸበ እዩ።
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ሀርቢ ቡህ ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ ስልጠና ኮደርስ ተወዳዳርን ውፅኢታውን ወለዶ ንምፍጣር እናኽኣለ እዩ።
ንስልጠና ካብ ዝተመዝገቡ 36 ሽሕ መናእሰይ እቶም 70 ሚእታዊ ብብቕዓትን ንቕሓትን ነቲ ስልጠና ከም ዝተኸታተልዎ ብምግላፅ፣ ካብዚኦም 59 ሚእታዊ ምስክር ወረቐት ከም ዝረኸቡ ተዛሪቦም።
ክሳብ መወዳእታ እዚ በጀት ዓመት በቲ ስልጠና ንምዕዋት ዝተቐመጡ ትልምታት ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍፃም ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።