ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ብምርምር ክድገፍ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ብምርምር ክድገፍ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 22/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምርምርን ሳይንስን ክድግፉ ከም ዘለዎም ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም።
ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፎረም ትግበራ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ብሄራዊ ፃዕሪ ክህልዎም ዝግባእ ስትራቴጂካዊ እጃም ኣፅንኦት ሂቦም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምምካት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ግንባር ቀደም ከም ዝኾነት ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካልን ብልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ኢትዮጵያ ንኣፍሪካን ዓለምን መርኣያ ምዃና መርኣያ እዮም ኢሎም።
እቲ ፎረም፤ ዝተዋደደ ስራሕ ፖሊሲ መውፅእን ትካላት ትምህርትን ዘጠናኽር መድረኽ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ጉዳያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ትካል ስለዝኾነ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ዝጀመሮ ምውዳድ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዩኒቨርሲቲታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእሉ ሳይንሳዊ መፍትሕታት ኣብ ምንዳይ ልዑል እጃም ኣለዎም ኢሎም።
ምጥያሽ እቲ ፎረም እውን ንመፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ከም ሃገር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምድጋፍ ዘኽእል ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።