ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ንኹሉ ኣሳታፍን ኣርሒቑ ኣማትን ዝኾነ ትልሚ ልምዓትና እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ንኹሉ ኣሳታፍን ኣርሒቑ ኣማትን ዝኾነ ትልሚ ልምዓትና እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 22/2018 (ኢዜኣ) ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ንኹሉ ኣሳታፍን ኣርሒቑ ኣማትን ዝኾነ ትልሚ ልምዓትና እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ ዋና ከተማ እያ!’ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፈጣን ምንቅስቓስ ዘላ፣ናብ ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ መእተዊት በሪ፣ብቕልጡፍ ትልወጥ ዘላ ዋና ማእኸል ሃገር ብምዃና መግለፂ ንኹሉ ኣሳታፍን ኣርሒቑ ሓሳብን ዝኾነ ትልሚ ልምዓትና እያ ኢሎም።
ፈጣን መሰረተ ልምዓታት ብምስፍሕፋሕ፣መፍትሕታት ዘበናዊ ከተማ ብምቕራብ፣ሓቛፊ ብዝኾነ መልክዑ መንበሪ ብምህናፅን ዘላቒ ዕቤት ብምርግጋፅን ንሰርሕ ዘለና ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ፅባሕ ወለዶ እውን እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵ ዝርከቡ ከተማታትና ሰባት ንምብቃዕ፣ዓቕሚ ንምጥቃምን ዘላቒ ብልፅግና ንምርግጋፅን ብዘኽእል መልክዑ ቅርፂ ከም ዝሓዙ ገሊፆም።
ሃገርና ዕቤትን ሓድግን ከይተፈላለዩ ጎና ጎኒ ዝጎዓዝሉ፣ጥንታዊ ስልጣነታት ንዘበናዊ ዓወት መበገሲ ዝኾኑላ እያ ክብሉ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኩሎም ኣንፈታት ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ሰፋሕትን ዘይተነኽኡን ዕድላትን ዝረኽቡላ ወናኒት ኣእላፍ ፀጋ እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ጎደናታት እታ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጫፋት እታ ሃገር ብፅንዓት፣ብጥንካረ፣ንቑሕን ፍሉይን ኣማራፅታት ንግዲ ድሉዋት ገይራ ትፅበየኩም ኣላ ኢሎም።
መናሃርያ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ስለዝኾነት ኣዲስ ኣበባ እናዓበየ ዘሎ ኣህጉር ምስ ዓለም እተራኽብ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ኣፍሪካ ስትራቴጂካዊ በሪ መእተዊት ስለዝኾነት ንዓለም ለኸ ምሕዝነት ማእኸል ንክትኸውን ገይሩዋ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ልዕሊ ዕድላት ዝኾነ ነገር ሒዛ እያ፤ ንሱ እውን ሓዱሽ ነገር ምርካብን ምግላፅን እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ቀፃሊ እናሃነፅና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ፤ ንኢትዮጵያ ይጎብንዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ይዕበዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።