ወታደራዊ ኣዛዚ ፋኖ ሓርበኛ ፋኖ ኮማንዶ ፍቅሩ ሙሉዬ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ወታደራዊ ኣዛዚ ፋኖ ሓርበኛ ፋኖ ኮማንዶ ፍቅሩ ሙሉዬ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሉ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ወታደራዊ ኣዛዚ ኮር 303 ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ሓርበኛ ፋኖ ኮማንዶ ፍቅሩ ሙሉዬ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሉ ሎሚ መዓልቲ ናብ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ 13 ላሊበላ ብሰላም ኣትዩ።
“ንኣምሓራ ናፃ ክነውፅእ ኢና ኢልና ተቓሊስና፤ ሕዚ ስኽን ኢልና እቲ ኩነታት እንትንዕዘቦ ድማ ህዝቢ ኣምሓራን ሃገርናን ናብ ሓደጋ ኣብ ዘብፅሕ ብርኪ ስለዝበፅሐን ዕላማና ኣብ ውሽጥና ብዘለዉ ከብዳማት፣ህወሓትን ግዳማዊ ሓይልታትን ከም ዝተጨወየ ተረዲአ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣነ ተሳታፊ ናይዚ ሓተላ ታሪኽ ክኸውን ስለዘይደልን ፈፃሚ ዕላማ ህወሓት ብዘይምዃነይን መንግሥቲ ዝገበረለይ ፃውዒት ብምቕባል እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፈ ናብ ሰላማዊ ሂወት ተመሊሰ ኣለኹ ኢሉ።
ፀገማት እንተሃልዮም እውን ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ክፍትሑ ከም ዘለዎም ብምእማን ሃገረይን ህዝበይን ንምክሓስ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ተፀምቢረ ኣለኹ ክብል እውን ገሊፁ።
ኣባላት ኮር 303 እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፎም ናብ ሰላማዊ ሂወቶም ንክምለሱን ክልል ኣምሓራ ካብ ማእኸል ኵናት ንምክልኻልን ከምኡ እውን ሰላም ሃገርና ንምርግጋፅን ፀላእቲ ሃገርና ብሓባር ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንምስታፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ንክቕበሉ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።