ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ መጠነ ሰፊሕ ዓወታት መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ መጠነ ሰፊሕ ዓወታት መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ መጠነ ሰፊሕ ዓወታት መፃኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡
መድረኽ ጎስጓስ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ፓርቲ ብልፅግና እናተኻየደ እዩ፡፡
ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ቀንዲ ዕላማ እቲ መድረኽ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩን ትፅቢት ዝግበረሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱን ንምኽኣል እዩ፡፡
እቲ መረፃ ናፃ፣ ተኣማኒ፣ ሰላማውን ፍትሓውን ኮይኑ ንክዛዘም እጃም ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝለዓለ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ እውን ቁቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ንምህናፅ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ኣብሪሆም፡፡
ደቂ ኣነስትዮ ኣብቲ ፓርቲ ንቑሓት ተሳተፍቲ ክኾና፣ ናብ መሪሕነት ክመፃን ኣብ ከተማን ገጠርን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕቲ ክኾናን ከምዝተገበረ ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡
ብኻልእ መዳይ ብፅሒት ፖለቲካዊ ኣመራርሓ መናእሰይ ክዓቢ ካብ ምግባር ንላዕሊ፤ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዎም ተሳትፎ ክዓቢ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡
ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝቢ ዝኣተዎ መፅብዓ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕዋቱ ንዝቕፅል መረፃ ዓብዪ ስንቂ ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ካልኦት ዓውድታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መጻኢ ግዜ ኢትዮጵያ ብሩህ ከምዝኾነ ዘመላኽቱ እዮም ክብሉ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣካቢት ዘፈር ፖለቲካ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚን ፓርቲ ብልፅግና ጫልቱ ሳኒ ብግደአን፤ እቲ ፓርቲ መሰረታዊ ሕቶ ዜጋታት ኣብ ምምላስ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ ኢለን።
ሕቶ ዲሞክራሲ ንምምላስ ዘኽእሉ ትካላት ከም ዝተሃነፁን ሓቃዊ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነን ተዛሪበን።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ንኹሉ ማዕረ ሜዳ ዝረጋገፀሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መረፃ ተቐባልነት ዘለዎ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ጋህዲ ንምግባር ከም ዝሕግዝ ኣረዲአን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውድታት ፖለቲካን ኢኮኖምን ዝተረኸቡ ውፅኢታት መፃኢ እዋን ንብልፅግና ብሩህ ንክኸውን ዝገብሩ ከምዝኾኑ ሓቢረን።