ክእለት ኢንተርፕርነርሽፕ ኣባላት ኣመራርሓ ምጉልባት ንፈጠራን ለውጥን መሰረት እዩ - ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ

ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ)፦ ክእለት ኢንተርፕርነርሽፕ ኣባላት ኣመራርሓ ምጉልባት ንፈጠራን ለውጥን መሰረት እዩ ክብላ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ብምትሕብባር "ድሉውነት መፃኢ ዘመንን ኣመራርሓን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ስልጠና መዕበዩ ዓቕሚ ምሃብ ጀሚሮም።
እቲ ስልጠና ኣባላት ኣመራርሓ ስርሖም ብኣተሓሳስባ ኢንተርፕረነርሽፕ ክመርሑን ንተለዋዋጢ ከባቢታት ስራሕ ድሉዋት ክኾኑን ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ተገሊፁ፡፡ 



ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ስልጠና ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ ዘለኩም ዝለዓለ ልምዲ ህዝባዊ ኣመራርሓ ብምብጋስ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብዝለዓለ ብስለትን ብመንፈስ መሃዛይነት ስራሕን ክትቐርፁ ንምሕጋዝ እዩ ኢለን፡፡ 
እቲ ስለጠና እቶም ኣባላት ዘለዎም ፍልጠትን ልምድን ውፅኢታዊ ዝኾኑ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን፡፡ 
እዙይ እውን ፀገማት ብምህዞ፣ቅልጥፍና ከምኡ እውን ብመንፈስ ናተይነት ንምፍታሕን ሓደሽቲ ዓውድታት ኣገልግሎት ንምፍጣርን ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ብወገነን፤ ቅልጡፍ ለውጢ እዚ ዘመን ንምፅዋር   ናይ ኣመራርሓ ስነ ምግባር ስራሕ ክዝምን ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡ 



ኣበላት ኣመራርሓ ከም ሓደ መሃዚ ስራሕ መፍትሒ ፀገማት ብሓዱሽ መገዲ ምህዞ ምቕራፅ፣ ሓደሽቲ ዕድላት ምፍላይን ኣብ ከይዲ ስራሕ ብቅዓት ምፍጣንን ምፍጣርን ክህልዎም ከም ዝግባእ እውን ገሊፀን፡፡ 
ስለዝኾነ እቲ ስልጠና ብወገን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክእለት ስታራተጂክ ኣመራርሓ ካብ ምዕባይ ብዝዘለለ ሽቶታት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕዋት ዝሕግዝ ዝተዋደደ ስርዓት ኣሰራርሓ ንምህናፅ ዓብዩ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪበን፡፡  
ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚንስትር ቀንዲ ተጸዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮታትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም