ኢትዮጵያ ኣብ መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ንቑሕ ተሳትፎ ገይራ-ኣምባሳደር እሸቴ ጥላሁን

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብ ዝተሳተፍሉ መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ኢትዮጵያ ንቑሕ ተሳትፎ ከም ዝገበረት ኣብ ሃገራት ቤንሉክስን ትካላት ሕብረት ኣውሮፓን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን እሸቴ ጥላሁን ገሊፆም።
መበል 11 ጉባኤ መራሕቲ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን “ዝተቐየረን ዝተሓደሰን ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን-ፈተናታት ንዝበዝሓ ዓለም” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 19 ክሳብ 20 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ ተኻይዱ።
ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ እቲ ትካል ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኢኮኖምን ፖለቲካን ዓለም ረብሓ እተን ኣባል ሃገራት ዘረጋግፅ ጠንካራ ትካል ኮይኑ ክቕፅል ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።
እቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ኣብ ሃገራት ቤንሉክስን ትካላት ሕብረት ኣውሮፓን ፍሉይ ልኡኽ ፌዴሪኢን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን እሸቴ ጥላሁን ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብቲ መድረኽ ኣድላይነትን ፅልዋ ፈጣሪነትን እቲ ትካል ዘዕብዩ ሃነፅቲ ሓሳባት ኣካፊሎም እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ካብ ዝመስረታ ውሑዳት ሃገራት እታ ሓንቲ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ንክጠናኸር እውን መዋጮ ገንዘብ ብኣግባቡ ካብ ምኽፋል ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ከም ትርከብ ተዛሪቦም።
ትካል ሃገራት ኣፍሪካ፣ካርቢያንን ፓስፊክን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1975 ኣብ ጆርጅታውን - ጉውያና ዝተመስረተ እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን 79 ኣባል ሃገራት ዘለውዎ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም