ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ “ሓቛፊ ፖለቲካዊ ለውጥታተ ንፅኑዕ ሃገራዊ መሰረት”ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም ኢሉ። 
ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ሓቛፊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ንፅኑዕ ሃገራዊ መሰረት
መንግሥቲ ፌዴሪኢ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣውፂኡ ናብ ዝተማልአ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ዝሓንፀፆም ስልታዊ ሽቶታት ብዝለዓለ ፅንዓትን ዓወትን ናብ ተግባር ቀይሩ እዩ።
ቀንዲ ዓወት እዚ ታሪኻዊ ስግግር ድማ ንዘበናት ንኢትዮጵያ እናፍረሰ ዝነበረ መግለሊ ፖለቲካዊ ተረኽ “ማእኸልን ወሰንን” ብምስባር ሕድ ሕድ ዜጋን ከባብን ፍትሓዊ ተረባሒ ስልጣንን ሃፍትን ዝኾነሉ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምህናፁ እዩ። እዚ ለውጢ ኢትዮጵያ ናይ ውሑዳት ዘይኮነትስ ሓባራዊት ገዛ ኩላትና ምዃና ብተግባር ዘረጋገፀ መሰረታዊ ዓወት እዩ። 
ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ህልውናን ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ወለዶታት ድልድል ኣብ ዝኸውን ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ዝተመዝገቡ ዓወታት ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዓወታት እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ እንትኾኑ፤ ሃገርና ንዘበናት ኣብ ተቓርኖ ኣውዲቖም ዝፀንሑ ኣግለልቲ ተረኻት ንክጠፍኡ ብምግባር ኣብ ክንድኦም ድማ ታሪኽን ኣሰርን ኩላትና ዝዝክሩ ሓባራዊ ተረኻት ብተግባር ንክጠናኸሩ ተገይሩ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ መግለፂ ታሪኽን መንነትን ዝኾኑ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ዓብይ ግድብ ሕዳሰ፣ብመርሃ ግብርታት ገበታ ንሸገር፣ሃገርን ወለዶን ዝተሃነፁ ዓበይቲ መባፅሕታት ቱሪዝም ሓባራዊ ሃገራዊ ኩርዓትና ኣዕብዮሞ እዮም። 
ብዝሃነት ብፅባቐ ብምቕባል ብመድረኽ ብሄራዊ ምኽክር ዝቐፀለ ጉዕዞ ምሕካም ትማሊ እውን ትማሊ ብጥርጣረን ብክፍፍልን ዝፍጠር ዝነበረ ሃገራዊ ተረኽ ቀስ ብቀስ ብተግባር ብዝተረጋገፀ “ሕውነትን ሓባራዊ ብልፅግናን”እናመርሖ ይርከብ።
ስራሕቲ ምህናፅን ምጥንኻርን ዓምዲ እቲ ህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዝኾኑ ትካላት ብፍሉይ ቆራፅነት ተሳሊጦም እዮም።
ብፍላይ ድማ ትካላት ፀጥታ፣ፍትሕን ዲሞክራስን ንህዝብን ሕግን ጥራሕ ተገዛእቲ ንክኾኑ ዝተገበረ ሪፎርም ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ።
ብመሰረት እዙይ ከም ቦርድ መረፃን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝበሉ ትካላት ዲሞክራሲ ብዘይሻራዊ ኣመራርሓ ክውደቡ፣ ትካላት ምክልኸልን ድሕንነትን ካብ ሃገራዊ ተልዕኾ ወጻኢ ካብ ዝኾነ ዓይነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ናጻ ክኾኑ ከም ዝተገበሩን ትካላት ፍትሒ ብናጻነት ክሰርሑ ዝተዘርገሐ ኣሰራርሓን ህያው መርኣያ ትካላዊ ሪፎርምና እዩ፡፡ 
እዙይ ፖለቲካዊ ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣብ ብውሽጣዊ ምርግጋዕን ብሄራዊ ምርድዳእን ዝተመስረተ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ዝነበሩዋ ስግኣት ህልውና ብፅንዓት ክትወፅኦም ኣኽኢሉዋ እዩ፡። 
ሉኣላውነትና ብብስለት ፖለቲካን ጥንካረ ኣመራርሓን ናይ ምኽባር ዓቕምና ብምጉልባቱ፣ ዓቕሚ ፈጸማይነት ፖሊሲ መንግስቲ ካብ ምርኣዩ ንላዕሊ ነታ ሃገር ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ዕብየት ኣሸጋጊርዋ እዩ፡፡ 
እዞም ፖለቲካዊ ዓወታት ቀጥታዊ ውፅኢት ኣብ ውሽጢ ዝተርኣየ ምስፋን ሰላም፣ ምስፋሕ ፖለቲካዊ ምህዳርን ምጥንኻር ትካላትን ብምዃኖም ሃገርና ንትገብሮ ጉዕዞ ብልፅግና መሰረት እናንፀፉ እዮም፡። 
ብሓፈሻ እዞም ፖለቲካዊ ትልምታትን ዝጭበጡ ውፅኢታትን ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ልምምድ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣሸጋጊሩዋ እዩ። ምዕባይ ተሳትፎ ተነሓናሕቲ ውድባት፣ ቅብሉነት መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ጎሊሁ ምርኣዩን ውጽኢታውነት ስራሕ ሪፎርምን ንጕዕዞ ብልጽግናና ዘተኣማምኑ ዋሕሳትና እናኾኑ መፅዮም እዮም፡፡ 
መንግስቲ እዚ ጉዕዞ ብልጽግናን ዲሞክራሲን ኣጠናኺሩ ብምቕፃል፣ ንትውልዲ ትምችው፣ ዝበልጸገትን ሉኣላዊነታ ዝተሓለወትን ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብዝልዓለ ቖራፅነት እናተዋፀአ ክቕጽል እዩ፡፡
21 መጋቢት 2018 ዓ/ም
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም