ተፋሰስ መስኖ ክልል ዓፋር ዝናብ ንዝሓፅሮም ከባቢታት ዓብዪ መምሃሪ ሰነድ እዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ 

ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 21/2018 (ኢዜኣ)፦ ስራሕ ተፋሰስ መስኖ ክልል ዓፋር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝናብ ንዝሓፅሮም ከባቢታት ዓብዪ ትምህርቲ ዝህብ ከም ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ 
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣዋሽ እናለምዐ ዝርከብ ፍርያት ሱፍ ኣብ ተሳጋሪ ሕርሻን ገፀርን ንዘለና ተሳጋሪ ራኢ ተወሳኺ ሃፍቲ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ክልል ወረዳ ዱባቲ ዝለምዐ ፍርያት ሱፍ ከምቲ ዕንበባኡ ተስፋ ዘስንቕ፣ ከም ዝተኣከበ ፍርያት መርኣያ ጭቡጥ ብልጽግና ምዃኑ እውን ገሊፆም፡፡
ኣብ ክልል ዓፋር ዝርኣናዮ ተፋሰስ መስኖ በረኻ ዝመስል መሬት ብፍርያት ምህርቲ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝገበረ ትግሃት ንካልኦት እውን ብፍላይ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እኹል ዝናብ ንዘይረኽቡ ከባቢታት ዓብዩ መምሃሪ ሰነድ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም