ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓ ከም ዝዘተያ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣብ ማእኸልን ወረዳን ዘለዉ ኣመራርሓ ብዝተገበረ ዘተ ግለፅነት ምፍጣር ተኻኢሉ ኢለን።
ስለዝኾነ ድማ ምስ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዝተገበሩ ዘተታት ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ቅሬታታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዘዳለዎ ትልሚ መፈፀሚ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረ ሓቢረን።
ንተግባራዊነት እቲ ትልሚ እውን ኣድላይ ወፍሪ ከም ዝተውሃቦን ኣፈፃፅምኡ እውን ክትትል ከም ዝግበረሉን ኣረዲአን።