ዓወታት ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢት ፖሊሲን ቆራፅነት ኣመራርሓን እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018(ኢዜኣ) ዓወታት ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢት ፖሊሲን ቆራፅነት ኣመራርሓን ከም ዝኾኑ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን በርኦ ሓሰን ገሊፆም።
ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃነፆ ጣብያ መምልኢ ሓይሊ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ (ኢቪ-ቻርጅ) ኣመሪቑ።



ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን በርኦ ሓሰን ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብቀረብ ተሓዳሲ ሓይሊ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልዑል ዓቕሚ ኣለዋ።
እዚ ድማ ፅግዕተኝነት ነዳድን ሸርፊ ወፃእን ኢትዮጵያ ብምትራፍ ልኣላዊነት ቀረብ ሓይሊ ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ዓውዲ ትራንስፖርት ብተሓዳሲ ሓይሊ ንምትካእ ብዝግበር ፃዕሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን 140 ሽሕ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት እናሃባ ከም ዝርከባ ተዛሪቦም።
ህንፀት ጣብያታት መምልኢ ሓይሊ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ እውን ፅግዕተኛነት ነዳዲ ብምትራፍ ልኣላዊነት ሓይሊ ዘጎናፅፍ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ዘመዝገበቶ ዓወት እውን መርኣያ ጭቡጥ ውፅኢት ፖሊሲን ቆራፅነት ኣመራርሓን ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም።



ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ጌቱ ገረመው ብግደኦም፤ ህንፀት ጣብያ መምልኢ ሓይሊ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ምስ ፖሊሲ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተጠዓዓመ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ቀረብ ሓይሊ ብምርግጋፅ ጣብያ መምልኢ ሓይሊ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ተሃኒጾም ኣገልግሎት እናሃቡ ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብብርኪ ሃገር ስራሕ ህንፀት ጣብያ መምልኢ ሓይሊ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም