ተመረቕቲ ማሕበረሰቦም ብተኣማንነት ንምግልጋልን ምህዞ ማእኸል ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባርን ብትግሃት ክሰርሑ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ተመረቕቲ ማሕበረሰቦም ብተኣማንነት ንምግልጋልን ምህዞ ማእኸል ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባርን ብትግሃት ክሰርሑ ይግባእ
ዲላ፤ መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብልምዓት ዓውድታት ብዝሐ ኢኮኖሚ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እጃም ተመረቕቲ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ፡፡
ዩኒቨርሲቲ ዲላ ብመጀመሪያ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 287 ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣማኻሪ ሚኒስትር ዲኤታ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ከም ዝበልዎ፤ ትምህርቲ መግለፂ ውልቃዊ ዕውትነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሃፍቲ ሃገር እውን ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡
እቶም ተመረቕቲ ማሕበረሰቦም ብተኣማንነት ንምግልጋልን ምህዞ ማእኸል ብምግባር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባርን ብትግሃት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቑዓት ተመረቕቲ ካብ ምፍራይ ብዝዘለለ ሳይንስ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምርምር ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከብ ዝገለፁ ድማ ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዲላ ኤልያስ ኣለሙ (ዶ/ር) እዮም፡።
በዚ እውን ብፍላይ ሓረስታይ ተጠቃሚ ክኸውን ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 76 ሽሕ ተመረቕቲ ንሃገር ከም ዘበርከተ ብምሕባር፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ተግባር-ተኮር ምላሻት እናሃበ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዛዚሙ ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል ብትኹረት እናሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።