ስልጠና ኮደርስ ኣብ ዕብየት ዲጂታል ስራሕቲ ፈጠራ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስልጠና ኮደርስ ኣብ ዕብየት ዲጂታል ስራሕቲ ፈጠራ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ ዲጂታል ዕድላት ፈጠራ ስራሕን ስራሕቲ ፈጠራን ብምስፋሕ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት እናዕበየ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመረ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵውያን ብፍላይ መናእሰይ ተጠቀምቲ ብምግባር ዓለም ለኻዊ ተወዳዳርነቶም ዘዕቢ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዜጋታት ነቲ ስልጠና ብምውሳድ ካብ ባዕሎም ሓሊፎም ንትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ልምዓት ሃገሮም ኣሰሮም እናዕረፉ እዮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ እቲ ስልጠና ዲጂታል ክእለት ዜጋታት ብምዕባይ ሜላ መነባብሮ ዘሳልጡ ክእለታት ንምጉልባት ዘኽእል እዩ።
ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ዘለዎም ክእለት ብምዕባይ ናብ ስራሕ ፈጠራ ክሰጋገሩ ሓገዝ ገይሩ እዩ እውን ኢሎም።
እዙይ እውን ተወዳዳሪነት እታ ሃገር ብምዕባይ ናብ ፍልጠት መሪሕ ኢኮኖሚ ንዝግበር ስግግር ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ዓውድታት ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ብስርዓት ዲጂታል ክሕገዙ ምቹው ኩነታት ከም ዝፈጠረ እውን ሓቢሮም።