ውድባት ፖለቲካ ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ክጥቀምሉ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) ውድባት ፖለቲካ ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ብምጥቃም ፕሮግራሞም ከላልዩ ከምዝግባእ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ውድባት ፖለቲካ 7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ይካየድ ኣሎ።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቦርድ ነቲ መረጻ ካብ ዝገብሮም ምድላዋት ንውድባት ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ምግባር እቲ ሓደ እዩ ኢለን።
እዚ ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓት ዝካየድ ድማ እቲ ቦርድ ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕብባር ብዘማዕበሎ ሓዱሽ ሲስተም ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ኣሰራርሓ ውድባት ፖለቲካ ዘለዎም ሓሳብ፣ፖሊሲን ፕሮግራምን ነቲ መራፂ ህዝቢ ንከላልዩ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ውድባት ዝምደበሎም ነፃ ኣየር ሰዓት ብኣግባቡ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ኣረዲአን።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ብግደአን፤ እቲ ነፃ ኣየር ሰዓት እቲ መራፂ ህዝቢ ድምፂ ኣብ ዝህበሉ እዋን ኣብ ፍልጠት መሰረት ገይሩ ንክውስን ዘኽእል እዩ ኢለን።
እቲ ነጻ ኣየር ሰዓት ን47 ውድባት ፖለቲካን ተወዳደርቲ ውልቀ ሕፁያትን ብዕፃ ድልድል ከም ዝግበር ተዛሪበን።
እዚ ድልድል እቲ መረፃ ነፃ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ውድባት እቲ ኣየር ሰዓት ብልዑል ስምዒት ሓላፍነት ንክጥቀምሉ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም