መበል 50 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ኮርፖሬሽን ፌዴራል ኣባይቲ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 19/2018 (ኢዜኣ) መበል 50 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ወርቂ ኮርፖሬሽን ፌዴራል ኣባይቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ምስረታ፤ “ብሓዱሽ ምዕራፍ ንዝሓሸ ፅባሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝኽበር ዘሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ከምኡ እውን ኣካቢት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ኣለምፃሃይ ጳውሎስ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግሥቲ መለስ መና፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ረሻድ ከማል (ዶ/ር) ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ በቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተሃነፁ ህንፃታት ተመሪቖም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ሃገራዊ ለውጢ መበገሲ ገይሩ እቲ ኮርፖሬሽን ብዘሳለጦ ትካላዊ ሪፎርም ዘመዝገቦ ዓወት ዘርኢ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም