ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መድረኽ ክትዕ ፖለቲካ ውድባት ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መድረኽ ክትዕ ፖለቲካ ውድባት ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝበለፀ ሓቛፍን ኣሳታፍን ንክኸውን ዝዓለመ ፈላማይ ክትዕ መረፃ ፖለቲካዊ ውድባት እዩ፡፡
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ነቲ መድረኽ ክትዕ ንምድላው ክሰርሕ ከም ዝፀንሐ ገሊፀን፡፡
እዚ ተበግሶ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎም መማራፂ ፖሊሲታት ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ዕድል ከም ዝፈጥረሎም ብምዝራብ፤ ቅዋም ውድባት ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝን እቲ መራፂ ህዝቢ እውን ዝሓሸ ግንዛበ ክህልዎ ምቹው ኩነታት ከም ዝፈጥርን ሓቢረን፡፡
ከም ገለፃ እተን ኣካቢት፤ እቲ ቦርድ ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደሩ ውድባት ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ሓዊሱ ፈተነታት ክትዕ ክገብሩ ዘኽእል ዕድል ፈጢሩ እዩ፡፡
እቲ መድረኽ፤ ውድባት ፖለቲካ፣ ተወከልቲ ሲቪል ማህበረሰብን ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብምርኻብ ዲሞክራሲያዊ ምህዳር ንምስፋሕ ኣወንታዊ እጃም ከም ዝህልዎ ኣብራህሪሀን፡፡
እተን ኣካቢት ከም ዝበልኦ፤ መድረኽ ክትዕ ውድባት ፖለቲካ ኣካል እቲ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ብዝኾነ መልክዑ ንክካየድ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እዩ።