ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲ ምኽባር ሰላም ዘለወን ስትራቴጂካዊ ርክብ ዘጠናኽር ስምምዕ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲ ምኽባር ሰላም ዘለወን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ናብ ስልታዊ ምሕዝነት ንምዕባይ ዝዓለመ ክልቲኣዊ ስምምዕ ሎሚ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሀመድ(ኢ/ር)ን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲ ላሜክን እዮም ፈሪመምዎ።
እቲ ስምምዕ ብዋናነት ኦፕሬሽናል ድሉውነት ኣብ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ዝዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምዕባይን ብብርኪ ዓለም ዘለዎም ብቕዓት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ መሰልጠኒ ድጋፍ ሰላም(IPSTI)ን  ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኮንቲንጀንት(CTS)ን ዝወሃቡ ሰርቲፊኬታት ስልጠና ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎምን ስራሕቲ ምርምር ዓለም ለኸ ደረጅኦም ዝሓለዉን ንክኾኑ ክግበር እዩ።
ብተወሳኺ እውን እቲ ስምምዕ፤ ማእኸል ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ሰርቲፊኬታት ስልጠና ብውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ሕብረት ኣፍሪካን ዝለዓለ ኣፍልጦ ዘለዎም ንክኾኑ ምግባር ከም ሽቶ ከም ዘቐመጠ ተገሊፁ።
ንዕዉትነት እዚ እውን መንግሥቲ ፈረንሳይ ኣድላይ ደገፍ ቴክኒክን ማቴሪያልን ዝገብር እንትኸውን፤ ብፍላይ ድማ መኽበርቲ ሰላም ኣብ ኲናት ዘጋጥሞም ሓደጋታት ፈንጂ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ።
እቲ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከም ዘሰጋግሮ ከም ዝተገለፀ እውን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም