ንዲሞክራሲያውነት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መራኸብቲ ሓፋሽ ድርብ ሓላፍነት ኣለዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ንዲሞክራሲያውነት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መራኸብቲ ሓፋሽ ድርብ ሓላፍነት ኣለዎም
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኮይኑ ንክካየድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መራኸብቲ ሓፋሽ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተገሊፁ።
ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያውን ፍትሓውን ብዝኾነ መልክዑ ንክሳለጥ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል እዩ።
እቲ መረፃ ልምምድን ባህልን ዲሞክራሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዝሰጋገረሉ ከም ዝኸውን ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ ኣብዚ መዳይ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽ ዝለዓለ እዩ ኢሎም።
ጋዜጠኛ ጥበቡ በለጠ ብግደኦም፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰብ ሞያታቶም ኣብ ፀብፃብ መረፃ ስልጠናታት ክእለት ክህቡ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
እቲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ምህናፅ ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ላዕለዋይ ተመራማሪ ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤዥያን ፓስፊክን ከምኡ እውን በዓል ሞያ መፅናዕቲ ፖሊሲ ኣንተነህ ጌታቸው፤ ጋዜጠኛታት ሕጊ፣ ኣዋጃን ዝተመሓየሹ ሕግታትን መረፃ ብኣግባቡ ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም።