ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018(ኢዜኣ) ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጥ ከይዲ ምኽክር ብዝምልከት ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዝነበሮ ከይዲ ኣሳታፍን ሓቛፍን ንምግባር ከሳልጦም ዝፀንሐ ስራሕቲ ዕዉታት እዮም ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት እውን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ናይ ምስታፍ ሙሉእ መሰል ከም ዘለዎምን ንውፅኢታውነት እቲ ከይዲ እውን ሰናይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎምን ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ከይዲ ምኽክር ንምጅማርን ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን 22 ግዜ ዘተታት ከም ዝተገበሩ ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እምበር ምስዞም ፃዕርታት እዚኣቶም ኣብቲ ክልል እቲ ከይዲ ንምስላጥ ዘኽእሉ ምችው ኩነታት ብዘይምፍጣሮም፤ ከይዲ ኣጀንዳ ምትእኽኻብን መረፃ ተወከልትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ ከም ዝተወሰነ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ከይዲ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ብምግላፅ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብንቕሓት ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም