ከተማና ኣዲስ ኣበባ ንፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ኣብ ምስግጋር ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ትርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) ከተማና ኣዲስ ኣበባ ንፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ኣብ ምስግጋር ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ትርከብ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊጸን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ሎሚ ረፋድ ንተጠቀምቲ ፕሮግራም ልምምድ ስራሕ ኣብ ውሕስና ምግቢን ብቕዓትን ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ብምስግጋር ኣመሪቕና።



እዚ ተግባር ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ካብ ዝተገበሩ እቶም ሓሙሽተ “ሽቶታት ዜሮ” እቲ ሓደን ቀንድን ዝኾነ ራኢ “ተመፅዋታይነትን ልመናን ዜሮ ምግባር” ኣብ ከተማና ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝርከብ መርኣያ እዩ ኢለን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፕሮግራም ሴፍትኔት ዝርድኡ ዝነበሩ ልዕሊ 695 ሽሕ ነበርቲ ናብ መፍራያይነት ብምስግጋር ባዕሎምን ቤተሰቦምን ክሕግዙ ተገይሩ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን።
ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማና ልምምድ ስራሕ ካብ ዝተጀመረሉ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተመረቑ ልዕሊ 8 ሺሕን 852 መናእሰይ ሓዊሱ 49 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ተመፅዋታይነት ወፂኦም ብዝተፈጠረሎም ምትእስሳር ልምምድ ስራሕ ዛዚሞም ናብ መፍራያይነትን ዋንነት ስራሕን ተሰጋጊሮም እዮም ክብላ ገሊጸን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም