ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝህነፅ ዘሎ ዘበናዊ ከተማነትን ክትመትን ንዝሓሸ መነባብሮ ወለዶ መሰረት እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 18/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝህነፅ ዘሎ ዘበናዊ ከተማነትን ክትመትን ንዝሓሸ መነባብሮ ወለዶን ብልፅግና ሃገርን መሰረት ከም ዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ ሰፊሕ ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ከተማታትን ምስሊ እታ ሃገር ካብ ምቕያር ብተወሳኺ ብርኪ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተወሰደ ታሪኻዊ ስጉምቲ እዩ ኢሉ።
ሙሉእ መልእኽቲ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝህነፅ ዘሎ ዘበናዊ ከተማነትን ክትመትን ንዝሓሸ መነባብሮ ወለዶ መሰረት እዩ።
ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ ሰፊሕ ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ከተማታትን ምስሊ እታ ሃገር ካብ ምቕያር ብተወሳኺ ብርኪ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተወሰደ ታሪኻዊ ስጉምቲ እዩ።
ከተማታት ንነዊሕ ዘበናት ሓቢርወን ዝፀንሐ ምስሊ ጉስቁልና ብምቕያር ንነበርተን ምችዋትን ሰሓብትን ኮይነን ንክስርሓ በጀት ኣብ ምምዳብን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምውዳብን ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ተኻኢሉ እዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ከባብታት ገጠርን ዝሳለጡ ዘለዉ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ምሕዳስ ከተማ፣ ስራሕቲ ምፅባቕ ከባብታት፣ ብዳግማይ ምልማዕ ፅገናታት ታሪኻዊ ቦታታትን ሓድግታትን ምክያድ ከምኡ እውን ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብነታት እዮም።
ብስራሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት እቲ ማሕበረሰብ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ዝተመሓየሸ መንገዲ፣ ደረጅኡ ዝሓለወ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና፣ ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ቀረብ ሓይልን ንክረክብ ኣብ ምግባር ዝተሰርሑ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ውፅኢታውን መንግሥቲ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ምላሽ ንምሃብ ዝገበሮ ልዑል ፃዕሪ ብጭቡጥ ዘርኣዩን እዮም።
ብካሊእ መዳይ ድማ ብተበግሶ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ለውጢ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት ዝተሳለጡ እንትኸውን፤ ስራሕ ምፅባቕ ከተማ ብሰፊሑ ካብ ዝተሰርሐሎም እቲ ሓደን ቀንድን ኮይኑ ይርከብ።
ብፍላይ ድና ንስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ምሕዳስ ከተማን ዝተውሃቦ ትኹረት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ 78 ከተማታት እዩ ተግባራዊ ተገይሩ።
እቲ ልምዓት ኮሪደር ድሑር ስርዓት መነባብሮ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ከተማታት ብምቕያር ዘበናዊነት ዝተላበሰ ሜላ መነባብሮ ንክፍጠር ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣብ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ ለውጢ ኣመለኻኽታ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምችው ከባቢ መነባብሮ ምፍጣር፣ መስሕብ ቱሪዝምን ጥዕና ዘለዎ ማሕበረሰብን ንክህሉ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ፅቡቕ ተስፋ ምንባር ዜጋታት ዘለምለመ ካብ ምዃን ብዝዘለለ ፍልፍል ኩርዓት ንምዃን በቒዑ እዩ።
ኣብ ፅገናታት ሓድጊ ታሪኻዊ ፀጋታቶም ብምሕላው ዝተገበረ ዳግማይ ምልማዕ ወይ ድማ ሕድሳት እውን ብዝተፀንዐ ኩነታት ናብ ወለዶ ምትሕልላፍ ብዘኽእልን ፅባቐ ከተማታት ብዘጉልህ መልክዑን መስሕብ ቱሪዝምነቶም ንክውስኽ ዘኽኣለ ንምዃን ኣኽኢሉ እዩ።
በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ቱሪስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ እዋን ፃንሒቶም ብምንዋሕ ልዑል ፍልፍል ኣታዊ ዝርከበሉ መንገዲ ዝኾንሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
እዞም ትሩፋታት ብልፅግና ኣጠናኺርካ ኣብ ምቕፃል ብዝበለፀ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ግቡእ እዩ።
ኣፍሪካዊ መርኣያነት ብልፅግናን ራእን ኢትዮጵያ ንምዕዋት እውን ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ስለዝኾነ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ መንፈስ ምትሕብባር ብዝለዓለ ኩነታት ኣስትዋፅኦ ብምግባር ቀፃሊ መንገዲ ዓወት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ምርብራብ ይግባእ።
ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ከተማነት መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ዝተሳለጠ እንትኸውን፤ መንግሥቲ ዲጂታል ቴክኖሎጅን ዘበናዊ ኣሰርራሓን ብምትእስሳር፣ ከተማታትና መባፅሕቲ ቱሪስትን ኢንቨስትመንትን ካብ ምዃን ሓሊፈን ንነበርቲ ማእኸል ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምችውን ፍልፍል ኩርዓትን ንክኾና ዝገብር ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ የረጋግፅ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም