ፅሬትን ድሕንነትን ፍርያት እንሰሳት ብምሕላው ኣብ ዕዳጋ ወፃኢ ተደላይነቱ ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬትን ድሕንነትን ፍርያት እንሰሳት ብምሕላው ኣብ ዕዳጋ ወፃኢ ተደላይነቱ ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ
ኣዳማ/መጋቢት 17/2018 (ኢዜኣ) ፅሬትን ድሕንነትን ፍርያት እንሰሳት ብምሕላው ኣብ ዕዳጋ ወፃኢ ተደላይነቱ ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ከም ዝኾነ በዓል መዚ ግብርና ኢትዮጵያ ገሊፁ።
መራሒ ፈጻሚ ስራሕ ሬጉላቶሪ በዓል መዚ ግብርና ኢትዮጵያ ዶክተር ኣያሌው ሹመት ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እታ ሃገር ብመዳይ ዘለዋ ሰፊሕ ሃፍቲ እንሰሳት ተጠቃሚት ንክትኸውን ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ።
ብፍላይ ድማ ፍርያት ስጋ ንዕዳጋ ወፃኢ ኣብ ምቕራብ ምስ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ብምቅርራብ ብምስራሕ ፅረትን ድሕንነትን ብምሕላው ተደላይነቱ ንምዕባይ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ስራሕ ቁፅፅር፣ክትትልን ደገፍን ሓዊሱ ዓቕምን ክእለትን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምዕባይ ከምኡ እውን ኣወጋግዳ ፈሳስን ደረቕ ጎሓፍን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ምግባር ከም ዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ንዕዳጋ ወፃኢ ዝቐርብ ፅሬትን ድሕንነትን ፍርያት እንሰሳት ንምሕላው ህንፀት ዘበናዊ ኳራንቲንግ ብምስላጥ ዕዉት ውፅኢት ምምፃእ ከም ዝተኽኣለ እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ፅሬትን ድሕንነትን ንዕዳጋ ወፃኢ ዝቐርቡ ፍርያታት ንምሕላው ዝግበር ፃዕሪ እመርታዊ ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ተደላይነት እቲ ፍርያት ንምዕባይ ዝግበር ዝተዋደደ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።