መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንበዓል ሹዋሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ 

ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 17/2018 (ኢዜኣ)፦መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንበዓል ሹዋሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብጸሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡ 
ዓምድታት ሓድነት ህዝብታት ካብ ዘጎልብቱ ባህላዊ በዓላት ኣብቲ ክልል ብድምቀት ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፡፡  
ናይዚ ዓመት በዓል ሹዋሊድ ኣብቲ ክልል ሕብረ ብሄራውነትን ሓድነትን ብዘርእን ልምዓትን ዕብየትን ብዘጠናኽርን መልክዑ ብዱሙቕ ምድላዋት ከም ዝኽበር እውን ገሊፁ፡፡ 
እቲ ባህላዊ በዓል ምክእኣል፣ ዓምድታት ሓድነትን ሰላምን ብፍላይ ከዓ ዓውዲ ቱሪዝም ብምጉልባት ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ኣመላኺቱ፡፡ 
ናይዚ ዓመት በዓል ሹዋሊድ ብዕዉት መገዲ ንምኽባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከም ዝፀንሐ ዝገለፀ መንግስቲ እቲ ክልል፤ ኣብዚ እዋን እቲ በዓል ብድሙቕ ንምኽባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ኣፍሊጡ፡፡ 
ኣብቲ በዓል ታሪኽን ባህልን እቲ ክልል ዘፋልጡ ምድላዋት ብመንፈስ ሕውነት ንዕዱማት ክቐርቡ እዮም እውን ኢሉ፡፡  
ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ክልል ሃረሪ በዓል ሹዋሊድ ሓድነት፣ ሰላምን ሕውነትን ዘጠናኽር በዓል ንኽከውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም