መንግሥቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ተግባራዊ ዝገበሮም ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ሪፎርም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ተግባራዊ ዝገበሮም ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ሪፎርም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 17/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንምንቕቓሕ ተግባራዊ ዝገበሮም ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ሪፎርም ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከም ዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን(ዶ/ር) ገሊፆም።
“ኢትዮጵያ ንቢዝነስ ድልውቲ እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 4ይ ፎረም ‘ኢንቨስት ኣብ ኢትዮጵያ’ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሓቃዊ ስግግር ዓውዲ ኢንቨስትመንት እያ ትርከብ።
መሪሕ ሓሳብ ፎረም እዚ ዓመት እውን መግለፂ ድሌት ዘይኮነስ ብተግባር ዝተርኣየ ዕቤት፣ግልፂ ኣሰራርሓን ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ዘርኢ እዩ ኢሎም።
መንግሥቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንክነቓቓሕን ተመራፅነቱ ንክዓብን ዘሳለጦም ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት እናተረኸበሎም ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ብሃገር ቦቆለ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣቢሉ ኣብ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ማዕቐፋት ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝተገበሩ መመሓየሽታት እቲ ዓውዲ ኣብ ምጥንኻር ዓብይ መሰረት ከም ዘንበሩ ሓቢሮም።
እቲ ሪፎርም ዝተሓሰበሉ ሽቶ ንክወቅዕን ብልፅግና እታ ሃገር ንክረጋገፅን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።