መናእሰይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ትፅቢት ይግበረሎም - ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መናእሰይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ትፅቢት ይግበረሎም - ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ መጋቢት 17/2018(ኢዜኣ)፦ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ብልፅግና ብምርግጋፅ ዕድል መፃኢኦም ባዕሎም ክውስኑ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡
"ካብ ፖሊሲ ናብ ተግባር ንሰላምን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን መፍትሒ ምቅልጣፍ " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሻድሻይ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ መናእሰይ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሚንስትር ኤርጎጌ ተስፋዬን (ዶ/ር) ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ሃገራት ኣፍሪካን መናእሰይ እቲ ኣህጉርን ተሳቲፎም፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ ሕድሕዳዊ ምትእስሳር መናእሰይ እቲ ኣህጉር እናጠናኸረ እዩ ኢለን፡፡
መናእሰይ ኣፍሪካ ክእለትን ፍልጠትን ፈጠራኦም ንኩለመደያዊ ዕብየት እቲ ኣህጉር በርቲዖም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
መፃኢ ዕድል እቲ ኣህጉር ናብ ዝሓሸ ዕድል ንምስግጋር ሞተርነት ለውጢ መናእሰይ ዘሳልጥ ፍልጠትን ክእለትን ክላበሱ ከምዝግብኦም ተዛሪበን፡፡
መበል 6ይ ኮንፈረንስ ዩዝ ኮኔክት ኣፍሪካ ኢኒሼቲቭ እውን ፍልጠትን ክእለትን መናእሰይ እቲ ኣህጉር ኣብ ምዕባይን ሕድሕዳዊ ምትእስሳር መናእሰይ ኣብ ምጥንኻርን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፅላል መናእሰይ ኣፍሪካ ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢረን፡፡
መናእሰይ ኣፍሪካ እውን ኣህጉራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን መፃኢ ዕድሎም ባዕሎም ንምውሳንን ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ድሉዋት ክኾኑ ከምዘለዎም መኺረን፡፡